ብሪጣንያ፡ ብፈተነ ቅትለት ኤርትራዊ ገበነኛ ዝዀነ ደጋፊ ሂትለር ንሕልፈት ተፈሪዱ
ንዋሕዚ ስደተኛታት ዝቃወም ሕሉፍ የማናዊ ዓሌተኛ ብፈተነ ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዕቝባ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ወዲ 32 ዓመት ካለም አሊሲስ ፓርስሎው፡ ናብ ሓደ ስደተኛታት ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ሆቴል ብምእታው ንናሆም ሓጐስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ ኣፍልቡን ኢዱን ብኻራ ድሕሪ ምውግኡ'ዩ ተኸሲሱ። ነቲ መስርሕ ፍርዲ ዝመርሐ ዳኛ ዶቭ፡ ኣብ ልዕሊ ናሆም ሓጐስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ብ"ንኣኽራሪ፡ ዓመጽን ዓሌታዊ ኣረኣእያ ዝተጠምዘዘ፡...
Latest releases
ዓመተ 2024፡ ሓንቲ ፈትሊ ዝሓዘታ ርክብ ኣዲስ ኣበባን-ኣስመራን ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ቀርኒ ኣፍሪቃን
ዓመተ 2024 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኲናት፡ ወጥርን ምትፍናን፡ ከምኡ'ውን ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዝዓብለላ ኰይና'ያ ሓሊፋ። እዞም ዓበይቲ ጂኦፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ ጸጥታዊን ፖለቲካዊን ብድሆታትን ነቲ ዞባ ብሓፈሻን ንገለ ሃገራት ድማ ብፍላይ ናብ ዘይምርግጋእ ሸሞም ብምህላዎም ከቢድ ዞባዊ ስግኣት ዝፈጠሩን ዓለምለኻዊ ኣቓልቦን ስሒቦም ኣለዉን እዮም። እናዛሕተለ ዝመጸ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምትፍናን ሶማልያን ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን መዕለቢ ዝተሳእኖ ኲናት ሓድሕድ ሱዳንን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ገለ ካብቶም ቀንዲ ምዕባለታት ናይቲ ዓመት'ዮም።
ኤርትራ፡ ቀንዲ ፍጻመታት ዓመተ 2024
ኣብ ኤርትራ፡ ኣብዛ እነፋንዋ ዘለና ዓመተ 2024፡ ካብ ጥሪ ክሳዕ ታሕሳስ ዝተራእዩ ፍጻመታት ብሕጽር ዝበለ ዝርዝራት ቀሪቡ ኣሎ።ብሕልፊ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ግብጺ፡ ኢጣልያ፡ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ምብጻሕ ኣካይዱ። ብኻልእ መዳይ፡ ንፕረዚደንት ሶማልያ ሓሙሽተ ግዜ፣ ንፕረዚደንት ግ ብጺ ሓንሳብ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ግብጺ ክልተ ግዜ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ቻይና፣ ንፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን፣ ከምኡ'ውን፡ ንሌ/ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎም።
ቢንያም ግርማይ፡ ዓመተ 2024 ኣፍሪቃን ኤርትራን ዝወረቓሉ ዓመት
ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓመተ 2024 ዘመዝገቦ ሓደሽቲ ክብረ ወሰናት ምጽብጻብ ንባዕሉ ሓደ ነብሱ ዝኸኣለ ስራሕ'ዩ። ቢንያም፡ ነዚ ሓደሽቲ ክብረወሰናት ንምምዝጋብ፡ እቲ ንልምምድ ዝዘወሮ ከይጸብጻብካ፡ ኣብ ውድድር ጥራይ 11 ሽሕን 773 ኪሎሜተር'ዩ ዘዊሩ። ነዚ ራሕቂ ንምርድኡ ምእንቲ ክቐልል: ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ግብጺ ብመንገዲ 6431...
ተስፋየ ገብረኣብ፡ ቅድሚ ግዜኡ ዝሓለፈ ፍሉጥ ደራሲ
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ቅንያት ልደት፡ እቲ ስነጽሑፍ ኤርትራ ንቕድሚት ኣብ ምውንጫፍ ዓቢ ጽልዋ ክገብር ተስፋ ዝተነብረሉ ስሙይ ደራሲ ተስፋየ ገብረኣብ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ኣጋካሃን ናይሮቢ ከምዝዓረፈ ምስተነግረ ብዙሕ ፈታዊኡ ሰንቢዱ።እዚ ካብ ኤርትራውያን ስድራ ቤት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዱ ዝዓበየ ደራሲ - ኣብቲ ብዙሕ ከበርክተሉ ዝኽእል ዕድመ ቅድሚ ግዜኡ ብሞት ምስተዀልፈ "ዝተሰምዓኒ ሓዘን ክገልጾ ኣይክእልን!" ይብል ሓደ ካብቶም ብስርሓቱ ዘድንቘ ሃያሲ ስነጽሑፍ። ተስፋየ፡ ኣብ ምድረ ኦሮሞ፡ ቢሾፍቱ (ናዝሬት) እዩ...