ዑስማን ዓብዱልራሒም -- 60 ዓመታት ኣብ መድረኽ፣ መረዋሕ ድምጺ፡ ንስለ ፍቕሪ
ዋሽንግተን — ኣብ 1948 ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየን ዝተማህረን ዑስማን ካብ ብንእሽቶኡ እንከሎ ፍቕሪ ሙዚቃ ሓዲሩዎ።ዑስማን ዓብዱልራሒም ከም በዓል “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ”፡ “ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ”፡ “ጸላም ብሮት ዘላት” “ዓቕሊ ጽበት”፡ “ኣብ ገዛና ዘለኹም”፡ “ክልእከክን ረጋቢት”፡ “ናይ ኣካል ቪታሚን” ወዘተ. ዝብላ ኣብ ሰማዕቲ ዓቢ ጽልዋ ዘሕደራ ደርፍታት ኣፍርዩ’ዩ። ን60 ዓመታት ኣብ መድረኽ፡ በቲ መረዋሕ ድምጹ ዝተቓነየ ዑስማን ዓብዲልራሒም ኣብ...
Latest releases
ቨርነር ሙንዚንገር፡ ኣብ ኤርትራ ዓቢ ጽልዋ ዝገደፈ ገድለኛ
ቀዳሞት መንእሰያት ሚስዮናውያን ካብ ሽወደን ኣብ ኤርትራ ብባጽዕ ኣቢሎም ምስ ኣተዉ፡ ቨርነር ሙንዚንገር ከም ዝተቐበሎም ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ንዝበዝሐ ብርኪ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ንምዕዳግ ዝነበሮ ውጥን ሰሪዙ
ካብ ሓምለ 2023 ኣትሒዙ፣ ኣገልግሎታት ደው ኣቢሉ ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ዳግም ንምብርባር መሻርኽቲ የናዲ ከምዘሎ ምስቲ ኩባንያ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም።
ኤርትራ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ምጅማሩ ለውጢ ይህልዎ ዶ?
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብ5 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ካብ ሰሉስ 14 ግንቦት 2024 ኣትሒዙ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ተገምጊሙ
ብ17 ለካቲት 2024 ኣብ ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ኣብ መንጐ ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ዝወረደ ዕንወት ልዕሊ 700 ሽሕ ዩሮ ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ።