ደበሳይ ደሳለ ዕዉት ማራቶን ኣስመራ 2025 ኮይኑ
ሎሚ ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ 2025፡ ኣባል ክለብ ደንደን ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘውዲ ደፊኡ። ኣብ 2023 ብዘገርምን ካብ ትጽቢት ወጻእን 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይዚ ውድድር ሪከርድ ሒዙ ዘሎ ኣትሌት ኖሆም ኤርምያስ ከኣ ካልኣይ ብምውጻእ ንደገፍቱ ኣረስሩሱ። ሳልሳይ ኬንያዊ ኣትሌት ደሲስ ኩሱምባ ክወጽእ እንከሎ፡ ንነዊሕ ኪሎሜተራት በይኑ ኣብ ቅድሚት መሪሑ ምውዓል ኣብ መወዳእታ ዙርያ ብናሆም ኤርምያስን ብደበሳይ ደሳለን ዝትወሓጠ ሙሴ እስቲፋኖስ...
Latest releases
'ሰራዊት ኤርትራ ዝሓዞም ግዝኣታት ባዕሉ ይፈልጦም እዩ' - ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ግዝኣታት ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ከውጽእ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ብምባል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሆርን ሪቪው ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣበይ ከምዘሎ ብዝምልከት ቢቢሲ ሕቶታት ኣቕሪቡሉ። ንሱ ነዚ እንክምልስ፡ "ንሳቶም ዝሓዝዎ ግዝኣት ባዕልቶም ይፈልጡ እዮም" ኢሉ። ...
ኣመሪካ፡ ብዛዕባ'ቲ ንኤርትራ ዝሓወሰ ሓድሽ እገዳ መገሻ እንታይ ንፈልጥ?
ዶናልድ ትራምፕ ንሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት ብምጥቃስ፡ ካብ 12 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ንዝገሹ እገዳ ከም ዘንበረ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ። እቲ ፕረዚደንት፡ ሓቀኛ ምምሕያሻት እንተ ተራእዩ፣ ከምኡ'ውን ኣብዚ ኣብ መላእ ዓለም ሓደስቲ ጸገማት ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ተወሰኽቲ ሃገራት ክውሰኻን እቲ ዝርዝር ክኽለስን ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ሕሜቲ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ እንታይ እዩ?
መራሒ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሕሜቲ፡ ሰራዊቱ ኣብ ከባቢ ዞባ ኮርዶፋን ዝተወሰነ ከባቢታት ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ብ2 ሰነ ብመገዲ ተሌግራም ሓፈሻዊ መግለጺ ሂቡ።ንሱ ኣብቲ ኣብ ህሉው ኵነታት ኲናት ሱዳን ማእከል ገይሩ ሓያለ ኣርእስታት ዝተናኸፈ መግለጺኡ ኤርትራን መራሒኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጠቒሱ። ሕሜቲ ኣብ መግለጺኡ፡ "ወላሂ ኵሎም እቶም ግብረሽበራውያን ሓይልታት፣ እስላማዊ መንግስቲ - ዳዕሽ - ከይተረፈ ሱዳን እዩ መፈጠሮም፡" ኢሉ ብምጥቃስ፡ "እቲ ዝሕግዞም ሰብኣይ...