ደበሳይ ደሳለ ዕዉት ማራቶን ኣስመራ 2025 ኮይኑ
ሎሚ ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ 2025፡ ኣባል ክለብ ደንደን ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘውዲ ደፊኡ። ኣብ 2023 ብዘገርምን ካብ ትጽቢት ወጻእን 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይዚ ውድድር ሪከርድ ሒዙ ዘሎ ኣትሌት ኖሆም ኤርምያስ ከኣ ካልኣይ ብምውጻእ ንደገፍቱ ኣረስሩሱ። ሳልሳይ ኬንያዊ ኣትሌት ደሲስ ኩሱምባ ክወጽእ እንከሎ፡ ንነዊሕ ኪሎሜተራት በይኑ ኣብ ቅድሚት መሪሑ ምውዓል ኣብ መወዳእታ ዙርያ ብናሆም ኤርምያስን ብደበሳይ ደሳለን ዝትወሓጠ ሙሴ እስቲፋኖስ...
Latest releases
ንኤርትራ ዝገለለ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ይካይድ
ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበ፣ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ናይተን ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ብሰኑይ 06 ግንቦት ጀሚሩ።
ዓወት ቢንያም ግርማይ ኣብ 3ይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ
ውድድር ግራንድ ቱር ጂሮ ዲ ኢጣልያ: ሎሚ ሰኑይ 6 ግንቦት 2024 ሳልሳይ መድረኽ ቐጺሉ ኣብ ዝወዓለሉ: ኤርትራዊ ኣባል በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተቋዳሲ ፖድየም ኮይኑ::
ንታሪኽ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ እተዘንቱ ፊልም ኣብ ሲነማታት ኤውሮጳ
‘This is my moment’ ወይ ‘እዋነይ እዩ‘ ዘርእስታ ንታሪኽ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም Intermarché – Wanty ቢንያም ግርማይ እተዘንቱ ሰነዳዊት ፊልም፣ ኣብ ኣብያተ ሲኔማ ኤውሮጳ ንተዓዘብቲ ክፍትቲ ኮይና።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር እዩ
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካብ ዝመጽእ ሰሉስ 14 ግንቦት 2024 ኣትሒዙ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ እቲ ብመሰረት ዓንቀጽ 243[d] ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን እታ ሃገር ኣብ ሰበስልጣን ዝዀኑ ዜጋታት ኤርትራ ጸኒዑ ዝጸንሐ ገደብ ቪዛ ግን ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ...