ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ይሓቱ
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ሓቲቶም። እቶም ካብ ሊቢያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ'ዮም ተዓቚቦም ዘለዉ። "ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ሰማዕቲ ትግርኛ ኣሕዋትና፡ ኣብዚ ንሕና ብጥምየትን መከራን ቁርን ንመውት ኣለና" ክብሉ ብቪድዮ ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ተማሕጺኖም።...
Latest releases
ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኤርትራ ገሊጻ። ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከም ዘላን ክትግታእ ከምዝግባኣን'ዩ እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝኸስስ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ" ክብል ነጺግዎ'ሎ።"እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን ዝዓለመ'ዩ" ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ብቐጥታ መልሲ ሂብሉ።
'ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኲናት ክትወልዕ ትሓስብ ኣላ' - ፕረዚደንት ነበር ሙላቱ ተሾመ
ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከምዘላ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ከሲሱ። "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዚኡ ሕጂ'ዩ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ብስሙ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ኣስመራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሩ ኢዳ ተእቱ ከምዘላ ገሊጹ። "ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግጭት ንምውላዕ ይሰርሕ ኣሎ" ይብል ተሾመ ሙላቱ። ኣብ መንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ግጭት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኢዱ...
ፓርላማ እስራኤል 'ንስርዓት ሃገሮም' ዝድግፉ ስደተኛታት ንምስጓግ ዘቕረቦ እማመ
ፓርላማ እስራኤል ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል ሓድሽ እማመ ኣቕሪቡ። እቲ 'ክነሰት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፓርላማ ኣበጊስዎ ዘሎ ሓሳብ ነቶም "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ሓተትቲ ዑቕባ ንምጥራዝ ዝዓለመ'ዩ። እቲ ብኣባል የማናዊ ሰልፊ ዪስራኤል ቤትኑ ዝኾነት ዩሊያ ማሊኖቭስክን ካልኦት ኣባላት ባይቶን ዝቐረበ እማመ ሕጊ ምሉእ ተቐባልነት ረኺቡ'ሎ። "ኣብቲ ዝተኻየደ መስርሕ ድምጺ፡ 51 ኣባላት ክነሰት ነቲ ሕጊ ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞን ተዓቅቦን ደጊፎሞ ኣለዉ" ይብል እቲ ባይቶ ኣብ ዘውጽኦ...
ደረጃ ብልሽውና 2024፡ ኤርትራ ንኣርባዕተ ሃገራት ጥራሕ ቀዲማ፡ ኢትዮጵያኸ?
ደረጃ ብልሽውና ሃገራት ዝዕቅን 'ኮራፕሽን ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል' ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ዓመተ 2024 ደረጃ ሃገራት፡ ግዕዝይና ኣብ መላእ ዓለም 'ሓደገኛ ዕንቅፋት' ኰይኑ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣብቲ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ካብ 180 ሃገራት 37 ነጥቢ ብምምዝጋብ መበል 99 ኣብ ዝተሰርዓትሉ፡ 13 ነጥቢ ብምርካብ መበል 173 ተሰሪዓ ዘላ ኤርትራ ድማ ሓንቲ ካብ ቀዳሞት 13 ብልሹዋት ሃገራት ኮይና ኣላ። ኣቦ መንበር ናይቲ ትካል ፍራንሱዋ ቫለርያን...