ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያን ኣውፈርትን ሞያውያንን ስለምንታይ ንርዋንዳ ይመርጹ'ለዉ?
ኣብ ትግራይ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ክውላዕ እንከሎ፡ ሳራ ይስሓቕ ኣብታ ተወሊዳ ዝዓበየትላ ከተማ ሃዋሳ'ያ ትነብር ነይራ። ወለዳ ተጋሩ ከምዝዀኑ ትገልጽ ሳራ፡ ኩባንያ ህንጸት እትውንን ነዳፊት ህንጻ ወይ ኣርክቴክት ከምኡ'ውን ኮምፒዩተር ኢንጂነርን እያ። እቲ ደማዊ ኲናት ምስ ተወልዐ፡ "ደቀይ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ዘለዎ ከባቢ ከዕብዮም ስለዝደሊ ክግዕዝ ወሲነ" ክትብል ተመኵሮኣ ንቢቢሲ ኣካፊላ። ፈለማ ናብ...
Latest releases
20 ሰነ: መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር
20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።
ኣፍሪቃዊ መበቆል ዝውክሉ ባምቡላታት ብምስራሕ ናእዳ ዘትረፈት ኤርትራዊት-ሽወደናዊት ሳበል በራኺ
ሳበል በራኺ ካብታ ቅድሚ ዕሰራን ሓደን ዓመታት ናብ ሽወደን ዝተሰደት ኤርትራዊት ስድራቤት ዝፈረየት መንእሰይ እያ።
ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሓተትቲ ዑቕባ ተቐቢላ
ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራትራውያን ዝበዝሕዎም፣ ዜጋታት ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾኑ 113 ሓተትቲ ዑቕባ ከምዝተቐበለት ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ኣፍሊጡ።
መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይኽበር ድዩ?
መዓልቲ ኣቦታት ኣብ መንጎ ኣቦታትን ደቆምን ዘሎ ምትእስሳር ዝኽበረላ ፍልይቲ ዕለት እያ። ኣቦ ንደቁ ዘለዎ ፍቕሪ ብጽምብል ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዝግለጽ’ኳ እንተዘይኰነ፡ እዛ መዓልቲ ግን ፍቕርን ተወፋይነትን ኣቦታት ከምኡ’ውን ኣቦታት ኣብ ህይወትና ዝጻወትዎ መተካእታ ዘይብሉ ተራ እተዘኻኽረና እያ። ብተወሳኺ ኣባሓጎታት፡ ኣያታት፡ ኣኮታትን ካልኦት ናብዮት ዝህቡ ደቂ ተባዕትዮን'ውን ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ይምስገኑ...