Refugee who 'embraced' Canada fatally shot by stranger, judge hears as killer pleads guilty
A Calgary man who shot into a crowded bar, killing a new-to-Canada refugee pleaded guilty to manslaughter on Tuesday and was handed an eight-year prison sentence. Originally charged with...
Latest releases
ኤርትራ፡ ተቐዳደምቲ ምስ ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ከይፍርሙ ንምንታይ ተኸልኪሎም?
ኤርትራ ብሕልፊ ብደረጃ ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ እትምልምል ሃገር እያ። እንተዀነ፡ ከምቲ ተኽእሎኣ እቲ ብዝሒ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክስስን ኣይርአን። ብኻልእ መዳይ፡ ካብ ውድድራት ውሽጢ ሃገር ናብ ኣህጉራዊ ኰነ ዓለማዊ መድረኽ ዝሰጋገሩ ተጻወትቲ ብብዝሒ ክርኣዩ ኣይከኣሉን። እቲ ሕቶ ፍሉጥ እዩ፣ ዕቱብን ግሉጽን መልሲ ግና ይደሊ። ኣብ ኤርትራ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ዓይነት ስፖርት'ዩ ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። ...
መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዕገርግር ንዝተሳተፉ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ፍርዲ ሂቡ
መንግስቲ ሽወደን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ብምፍጣር ዝተጠርጠሩ ፍርዲ ሂቡ። እቶም ሽዱሽት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት፡ ኣብ 2023 ኣብ ስቶኮልም ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ብምፍጣር ንማእሰርቲ ከም ዝተፈረዱ ማዕከናት ዜና ሽወደን ኣቃሊሐን። ሓሙሽተ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ክፍረዱ እንከለዉ፡ እቲ ሻዱሻዮም ከኣ ንመንፈቕ ክእሰር ተበይኑዎ። እቲ ኣብ ሽወደን ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራውያን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፉ ምዃኖም ዝንገረሎም ውልቀሳባት...
ብርጌድ ንሓመዱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ጀርመን 'ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ' ተባሂሉ
ሰብመዚ ጸጥታ ጀርመን ካብ ሎሚ ረቡዕ ጀሚሩ ንመስረትቲ ናይቲ 'ብርጌድ ንሓመዱ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ኣብ ቀይዲ ንምእታው ስርሒት ምጅማሮም ኣፍሊጦም። ኣኽበርቲ ሕጊ ከምዝበልዎ፡ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ጀርመን ኣብ 19 መንበሪ ገዛውቲ ነቶም ጥርጡራት ንምድላይ ተፍትሽ ይካየድ ኣሎ። ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ብሓሙስ 26 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣስማቶም ዘይጠቐሶም 17 ውልቀሰባት "መስረትቲን ኣባላትን ውሽጣዊ ግብረሽበራዊ ውድብ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ እዮም"...
ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዝሃቡዎ ግብረመልሲ
ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ ዝተሰምየ ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ምርካብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዘቕረበቶ ጠለብ፡ "ብታሪኽ ዘይቅኑዕን ብሕጊ ዘይምኽነን፡" ብምባል ብትሪ ነጺጉዎ። እዚ ዝወጽአ ሓድሽ መጽናዕታዊ ሓተታ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብ13 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ቅድሚ ባይቶ ሃገሩ ቀሪቡ፡ ቀይሕ ባሕሪ "ተፈጥሮኣዊ ዶብ ኢትዮጵያ" ምዃኑን 'ዋንነት' ባሕሪ "ጉዳይ ህላወ" ምዃኑን ድሕሪ ምግላጹ ምዃኑ ይገልጽ። እቲ ብትሽዓተ ኤርትራውያን...