ደበሳይ ደሳለ ዕዉት ማራቶን ኣስመራ 2025 ኮይኑ
ሎሚ ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ 2025፡ ኣባል ክለብ ደንደን ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘውዲ ደፊኡ። ኣብ 2023 ብዘገርምን ካብ ትጽቢት ወጻእን 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይዚ ውድድር ሪከርድ ሒዙ ዘሎ ኣትሌት ኖሆም ኤርምያስ ከኣ ካልኣይ ብምውጻእ ንደገፍቱ ኣረስሩሱ። ሳልሳይ ኬንያዊ ኣትሌት ደሲስ ኩሱምባ ክወጽእ እንከሎ፡ ንነዊሕ ኪሎሜተራት በይኑ ኣብ ቅድሚት መሪሑ ምውዓል ኣብ መወዳእታ ዙርያ ብናሆም ኤርምያስን ብደበሳይ ደሳለን ዝትወሓጠ ሙሴ እስቲፋኖስ...
Latest releases
ትውልደ ኤርትራዊት ፍናን፡ ኣብ ቡንደስሊጋ ጀርመን እተጻወተት ኣሰልጣኒት ርዋንዳዊት ጋንታ ኩዕሶ ስክዔት
ኣብ ሕብረተሰብና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስፖርት ብፍላይ ኣብ ኣሰልጣንነት ክሳተፋ ብዙሕ ልሙድ ኣይኰነን። እቶም ዝተለምዱ ስፖርታት እውን ዝተወሰኑ እዮም - ከም ኣትለቲክስ ብፍላይ ድማ ጕያ። ኣብ ኩዕሶ ሰክዔት ክረኣያ ግን ብዙሕ ዝተለምደ ኣይኰነን። ካብዚ ሓሊፉ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ከም ኣሰልጠንቲ ኩዕሶ ሰክዔት ደቂ-ተባዕትዮ ዝነጥፋ ደቂ-ኣንስትዮ ምርኣይ ልሙድ ኣይኰነን። ነዚ ክውን ካብ ሞንጎ ዝገበራ ብኣጻብዕቲ ዝቝጸራ ኣፍሪቃውያን ሓንቲ ከኣ ኣብ ኩዕሶ ሰክዔት ተጻዋቲት ነበር፡ ኣሰልጣኒትን ተጣባቒት...
ካብ ኣመሪካ ናብ ፓናማ ዝተሰጐጉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ዘለውዎ ኵነታት
ዓሰርተታት እስያውያንን ኣፍሪቃውያንን ስደተኛታት፡ ኣብ ከተማ ፓናማ ኣብ ዝርከብ ምዕሩግ ሆቴል ተዓጽዮም ብመስኮት ሓገዝ ካብ ዝልምኑ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣቝጺሩ ኣሎ። ካብ ኣመሪካ ናብ ፓናማ ተሰጒጎም፡ ንጹር መውጽኢ መገዲ ስኢኖም ተዓጽዮም ጸኒሖም። ፈህ ዋይ ኣለግርያ ዝተባህለ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ስደተኛታት፡ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ኔፓል፡ ፓኪስታን፡ ሶማልያ፡ ካሜሩን፡ ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጽኡ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ደቀንስትዮ፡ ህጻናትን ቈልዑን ዝርከቡዎም ምዃኖም ይሕብር።
ጀርመን፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ንምርካብ ሰፊሕ ድልያ ይቕጽል
ሰብመዚ ጀርመን ካብ ሰሉስ ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ዋይልበርግ ሄሰ ዝጠፍአ ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ዝተወልደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ጳውሎስ ዳዊት ንምርካብ ንሰሙን መመላእታ ድልያ ከካይዱ ቀንዮም ኣለዉ። ወሃቢ-ቓል ፖሊስ፡ ዝከኣሎም ይገብሩ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ምሉእ ለይቲ ሓዊሶም ምድላይ ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ጳውሎስ ዳዊት `ኦቲስቲክ ስፔክቱረም` ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ ቤት-ትምህርቱ ወጺኡ ከም ዝኸደ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ...
ከረን፡ ንኻልኣይ ኲናት ዓለም ዘኽተመ ውግእ ጥንቁልሓስ፡ ኣብ 84 ዓመቱ
ኣብዚ ቅንያት - ቅድሚ 84 - ኣብ ኤርትራ ሓደ ወሳኒ ውግእ ተኻዪዱ ነበረ፣ ካብ 3 ለካቲት ክሳዕ 27 መጋቢት 1941። እቲ ውግእ ኣካል ካልኣይ ኲናት ዓለም ኰይኑ፡ ኣብታ ካብ ኣስመራ ንሰሜናዊ ምዕራብ 91 ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ፡ ብጎበታት ዝተኸበት ሒላብ-መሰል ቅርጺ ዘለዋ ከረን እዩ ተኻዪዱ። ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ድማ "ውግእ ከረን (The Battle of Keren)" ተባሂሉ ይፍለጥ። ከረን ካብ ከተማታት ኤርትራ ብዕብየታ ካልአይቲ እያ። ብ1930ታት፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ...