ዓሰብ፡ ኵነታት ናይተን ኤርትራ ዝሓዘተን መራኽብ ኣዘርባዣንን ኣባላተንን
ኤርትራ ዝሓዘተን መራኽብ ኣዘርባዣን ሕጂ'ውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝርከባ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም። እተን ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ተታሒዘን ዘለዋ መራኽብ ብዘይፍቓድ ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ብምእታወን'የን ተታሒዘን። ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎ ትረንድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እተን መራኽብን ኣባላተንን ክሳብ ሎሚ ኣይተለቐቓን። እዘን ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብሓደ...
Latest releases
መገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ናይ ኤርትራ በረራኡ ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በርራ ካብ ጽባሕ ሰሉስ 3 መስከረም 2024 ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ። እቲ ሰኑይ 2 መስከረም ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ መገዲ ኣየር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ኣሸጋሪ ዕንቅፋታት ስራሕ ካብ ክጸሮ ዝኽእል ንላዕሊ ምዃኑ” ብምጥቃስ፡ ነቶም ካብን ናብን ኣስመራ ዝገሹ ዓማዊሉ ካብ ሰሉስ 3 መስከረም በረራኡ ደው ከምዘብል ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ዢንፒን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ
ፕረዚደት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን ሎሚ ሰኑይ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ማዕከናት እታ ሃገር ኣቃሊሓን። ኣብቲ ርክብ ፕረዚደንት ሺ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ካብ ስትራተጂያዊ ዝምድና ናብ ነዊሕ ዝጠመተ ፖለቲካውን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዘለዎን፣ ከምኡ’ውን ናብ ግብራዊ ምትሕብባር ብምስግጋር ምስ ኤርትራ ሓባራዊ ምዕባለ ንምምዝጋብን ሃገሩ ድልውቲ ከምዘላ ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቻይና ኣትዩ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዕድመ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ በይጂን ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ 9ይ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ንምስታፍ፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብታ ሃገር ከምዝኣተወ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ።
ትውልደ ኤርትራዊ ፍሉጥ ከሻኒን ሓንቲ ኣደን ኣብ ለንደን ተቐቲሎም
ኣብ ለንደን ብድሕሪ’ቲ ሚልዮናት ሰባት ዝሳተፉሉ ካርኒቫል ኖቲንግ ሊል፡ ትውልደ ኤርትራዊ ፍሉጥ ከሻኒ ምግቢ (ሼፍ) ዝርከቦም ክልተ ሰባት ተቐቲሎም። ኣብ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ዝተቐትሉ ክልተ ሰባት፡ ወዲ 41 ዓመት ሙሴ እምነቱን ጓል 32 ዓመት ቼር ማክሲመነን እዮም።