ደበሳይ ደሳለ ዕዉት ማራቶን ኣስመራ 2025 ኮይኑ
ሎሚ ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ 2025፡ ኣባል ክለብ ደንደን ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘውዲ ደፊኡ። ኣብ 2023 ብዘገርምን ካብ ትጽቢት ወጻእን 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይዚ ውድድር ሪከርድ ሒዙ ዘሎ ኣትሌት ኖሆም ኤርምያስ ከኣ ካልኣይ ብምውጻእ ንደገፍቱ ኣረስሩሱ። ሳልሳይ ኬንያዊ ኣትሌት ደሲስ ኩሱምባ ክወጽእ እንከሎ፡ ንነዊሕ ኪሎሜተራት በይኑ ኣብ ቅድሚት መሪሑ ምውዓል ኣብ መወዳእታ ዙርያ ብናሆም ኤርምያስን ብደበሳይ ደሳለን ዝትወሓጠ ሙሴ እስቲፋኖስ...
Latest releases
ኬንያ፡ ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ደሃዮም ጠፊኡ
ኣቶ ተስፋይ ሞባእ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ኣቦ፡ ብዓርቢ 18 ምያዝያ - [ዓርቢ ስቕለት] ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ጠፊኦም ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ከምዘይተረኽበ ስድራቤቶም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣቶ ተስፋይ፡ ሰዓት 9:00 ንግሆ ኣቢሉ ኣብ ከባቢ ክሊማኒ ናብ ዝርከብ ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም ከምዝኸዱን ኣብኡ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድሕሪ ቐትሪ ከምዝጸንሑን ተፈሊጡ። እቶም 80 ዝዕድመኦም ኣቦ ናይ ጥዕናን ዓይኒን ጸገማት ዝነበሮም ኰይኑ፡ ንግሆ ምስ በዓልቲ ቤቶም እዮም ናብቲ ቤተክርስትያን...
ሓድሽ ማዕበል ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይ 'ቢንያም ግርማይ' ይፈጥርዶ ይኸውን?
ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ሚልክያስ ማእከለ፡ ኣብ ኮንቲነንታል ጋንታ ንመጀመርትኡ ደኣ ይጸንበር'ምበር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ዝተፈለላየ ውድድራትን ዓወታትን ተጐናጺፉ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር 'ግራንድ ፕሪክስ ላ ቢለ' ብዘደንቅ ቅጽበታዊ ውድድድር ምስ ተዓወተ፡ ኣብ ሽኳ ዘለዎ ብቕዓት ዝተዓዘቡ ብዙሓት ሰባት ምስቲ ኣብ 2024 ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ ከመሳስሉዎ ተራእዮም። ሚልክያስ ማእከለ ምስ ቢቢሲ...
ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸፈቶ ቤት ጽሕፈትን ዕላማታቱን
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብርጌድ ንሓመዱ ብዝብል ዝፍለጥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተ ክንገር ጸኒሑ እዩ። ብርጌድ ንሓመዱ ግን መን እዩ? ስሙን ድሕረ ባይትኡን? ራኢኡን ዕላማኡን እንታይ እዩ? ቢቢሲ፡ ነዚ ሕቶታት ንምምላስ ምስ ኣካየድቲ እቲ ምንቅስቓስን ገዳይም ተቓወምቲ ሓይልታትን ኣዘራሪቡ ዘሰናድኦ ጽሑፍ እነሆ። ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ዘረጋገጸት ኤርትራ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ስለ ዘይተኸለትን እቲ መንግስቲ ምስ ገበናት ኣንጻር...
ኤርትራ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ብቐዋምነት ክዕጾ እማመ ቀሪቡ
ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ብዝገብሮ ዘሎ "ሰፊሕ ውጥን ምጕዳል ወጻኢታት መንግስቲ፡" ብቐዋምነት ክዕጸዉ ካብ ዝቐረቡ ዓሰርተ ተልእኾታት ዲፕሎማሲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ሓደ ካብቶም ክዕጸዉ ዝተወጠኑ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ፖለቲኮ ኣቃሊሑ። እዚ ድማ ኣብ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ ኵነታት ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ስክፍታታት ከም ዘለዓዓለ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ፖለቲኮ...