ደበሳይ ደሳለ ዕዉት ማራቶን ኣስመራ 2025 ኮይኑ
ሎሚ ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ 2025፡ ኣባል ክለብ ደንደን ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘውዲ ደፊኡ። ኣብ 2023 ብዘገርምን ካብ ትጽቢት ወጻእን 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይዚ ውድድር ሪከርድ ሒዙ ዘሎ ኣትሌት ኖሆም ኤርምያስ ከኣ ካልኣይ ብምውጻእ ንደገፍቱ ኣረስሩሱ። ሳልሳይ ኬንያዊ ኣትሌት ደሲስ ኩሱምባ ክወጽእ እንከሎ፡ ንነዊሕ ኪሎሜተራት በይኑ ኣብ ቅድሚት መሪሑ ምውዓል ኣብ መወዳእታ ዙርያ ብናሆም ኤርምያስን ብደበሳይ ደሳለን ዝትወሓጠ ሙሴ እስቲፋኖስ...
Latest releases
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ንጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ይነጽግ
ዋሽንግተን —ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ብ22 ሚያዝያ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጽአ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት፡ “ኣብ ኣገባብ ኣተኣኻኽባኡ ስሕተት ዘለዎን ፖለቲካዊ ዕላማ ዝመንቀሊኡን” ክብል ኣትሪሩ ነጺጉዎ።
03 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ብደረጃ ዓለም ይዝከር
ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ሎሚ ዓርቢ 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።
ስዊዘርላንድ፣ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ዳግም ቀሪቡ
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ባይቶ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ቀሪቡ።
4 ግንቦት ኣብ ዝጅምር ጂሮ ዲ ኢጣልያ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክስለፉ’ዮም
ቀዳም 4 ግንቦት ካብ ከተማ ቶሪኖ ተበጊሱ፡ ሰንበት 26 ግንቦት ኣብ ሮማ ኣብ ዝዛዘም ቅድድም ጂሮ ዲ ኢጣልያ 2024፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ክወዳደር‘ዮም።