Refugee who 'embraced' Canada fatally shot by stranger, judge hears as killer pleads guilty
A Calgary man who shot into a crowded bar, killing a new-to-Canada refugee pleaded guilty to manslaughter on Tuesday and was handed an eight-year prison sentence. Originally charged with...
Latest releases
ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ንሰላም ዕረፍ
ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣ ገብሪሂወት ማሐሪ ዓሪፍካ ዶ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ከበዶንዓዲ ቀይሕ እንዳ ጥመተ ብማዕዶ፣ ተጋደልት ተሐኤ ንደርጊ ከሊኦም ሩፍታኣብ 75 ካብ ቋሐይቶ ብማዕዶ ክትጥምታሐርበኛ ተቃሊስካ እወ ንኤርትራ ንነጻነታ፣ ኣፋል ኢሉ ንጎባጢት...
ኤርትራ፡ 'ኣቦይ ብሰንኪ'ዚ ሓድሽ መምርሒ መገሻ ንቈጸራ ሕክምና ተኸልኪሉ'
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ክፍሊ ኢምግረይሽን ዝተኣታተወ ሓድሽ መምርሒታት መገሻ፡ 'ጸቕጥን መሰናኽልን ፈጢሩልና' ዝበሉ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ምስ ወለዳ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንኽትራኸብ ልዑል ትጽቢት ዝነበራ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ኤርትራዊት መንእሰይ፡ መንግስቲ ትሕቲ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ናብ ደገ ከይገሹ ስለ ዝኽልክል ምስ ወላዲኣ ክትራኸብ ዝነበራ ተስፋ ከም ዘይቀንዐ ሓቢራ። ቅድሚ ሕጂ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ከምኡ ዝኣመለሰ መረረን ቅሬታን...
ኤርትራ ንሱዳን 'ዓቢ ደገፍ' ከምዝሃበት ጀነራል ኣልቡርሃን ገሊጹ
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ። ሎሚ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ብዛዕባ ምዕባለታት ግጭት ሱዳን ንፕረደዚንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ መብርሂ ከምዝበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። "መንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ንህዝቢ ሱዳን ዝገበሮ ዓቢን ዝቕጽልን ዘሎ ኣበርክቶ" ከምዝነኣደ'ውን ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ። ኣስመራ እንታይ ዓይነት ደገፍ ከምዝሃበት ግን ዛጊት ብንጹር ኣይተገልጸን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ...
ኢትዮጵያ፡ 'ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰላ ንምርግጋጽ ተካይዶ ጻዕሪ ብዘለዎ ረስኒ' ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጣ
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ከተካይዶ ዝጸንሐት ጻዕርታት ከተሐይሎ ምዃና ኣፍሊጣ። ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ'ዩ ነቲ መግለጺ ኣውጺኡ ዘሎ። እቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ዝርከብዎ ቤት ምኽሪ ንውሽጣዊን ግዳማውን ጸጥታ ዝምልከት ገምጋም ከምዘካየደ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይጠቅስ። ኩነታት ናይታ ትማሊ ሓድሽ ግዝያዊ ፕረዚደንት ዝተመዘዘላ ትግራይን ጉዳይ ኣፍደገ ባሕርን ካብቶም ዓበይቲ ዛዕባታት ናይቲ ኣኼባ'ዮም...