Refugee who 'embraced' Canada fatally shot by stranger, judge hears as killer pleads guilty
A Calgary man who shot into a crowded bar, killing a new-to-Canada refugee pleaded guilty to manslaughter on Tuesday and was handed an eight-year prison sentence. Originally charged with...
Latest releases
ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ ባሕረኛታት ኣዘርባዣን ተፈቲሖም
ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ ባሕረኛታት ከምዝተለቁ ማዕከናት ዜና ኣዘርባዣን ሓቢረን። እቶም 18 ኣዘርባዣናውያን ዝርከብዎም ባሕረኛታት ምስተን ብዘይፍቓድ ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ብምእታወን ብሓለዋ ባሕሪ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ዝነበሩ'ዮም። ንመንግስቲ ቅርበት ዘለዎ ትረንድ ዝተባህለ ማዕከን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ እቶም ኣብ ወደብ ዓሰብ ተታሒዞም ከምዝጸንሑ ዝንገረሎም "ዜጋታት ኣዘርባዣን ዝኾኑ ኣባላት" እተን መራኽብ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ሓቢሩ'ሎ።
ግብጺ ምስጓግ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደው ከተብል ጻውዒት ቀሪቡ
ሰብመዚ ግብጺ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይድልየቶም ናብ ሃገሮም ይሰጉዎም ኣለዉ ክብሉ ተሓለቕቲ መሰላት ከሲሶም። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ 'ሁማን ራይተስ ኮንሰርን ኤርትራ' ዝተብሃለ፤ ኣብ ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ኣብ ግብጺ ብዙሓት ኤርትራውያን ማእሰርትን ምስጓግ ናብ ሃገሮምን የጋጥሞም ከምዘሎ ሓቢሩ። እቲ ትካል ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቅድሚ ሕጂ ልዕሊ 140 ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ከምዝተሰጎጉ ብምግላጽ፡ ሰብመዚ ግብጺ ካብ ትካላት ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት...
ምስ ቅትለት ኣሜን ተኽላይ ብዝተሓሓዝ ሳልሳይ ጥርጡር ተቐይዱ
ምስቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ግላስጎ ስኮትላንድ፡ ኣብ ሸዊት ዕድሜኡ ዝተቐተለ ኣሜን ተኽላይ ብዝተሓሓዝ ሳልሳይ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ወዲ 15 ዓመት ኣሜን ተኽላይ ብ5 መጋቢት ምሸት'ዩ ኣብታ ኣብ ስኮትላንድ ትርከብ ከተማ ግላስጎ ብኸቢድ ቈሲሉ ተረኺቡ። ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ወሃብቲ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምድሓኑ ዝገበሩዎ ጻዕሪ ከም ዘይተዓወተን ኣብ ቦታ ፍጻመ ሞቱ ከም ዝተረጋገጸን ፖሊስ ስኮትላንድ ኣብ እዋኑ ገሊጹ ነይሩ። ፖሊስ...
ኤርትራን ግብጺን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘየሎዋ ሃገራት ተሳትፎ ከም ዘይህልወን ተሰማሚዐን
ግብጽን ኤርትራን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘይዳወባ ሃገራት ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ከይህልወን ከም ዝተሰማምዓ ማዕከናት ዜና ግብጺ ገሊጸን። ነዚ ዝገለጻ፡ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ካይሮ ተረኺቡ፡ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባድር ዓብደላትን ድሕሪ ዝገበሮ ክልተኣዊ ርክብ እዩ። ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ግብጺ መሓመድ ኣል ሸናዊ፡ እዚ ርክብ፡ ሰላምን ምርግጋእን ሱዳን ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ...