ኤርትራ ግዳይ እገዳ መገሻ ትራምፕ ዝዀነትሉ ቀንዲ ምኽንያታት እንታይ'ዩ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ግብራዊ ዝኸውን ሓድሽ እገዳ መገሻ ኣንቢሩ ከም ዘሎ ዋይት ሃውስ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካብ ኣፍሪቃ፤ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢኳቶርያል ጊኒን ክህሉዋ እንከለዋ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ሀይቲን ኢራንን ድማ ተወሰኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘለዋ ሃገራት እየን። ብኸፊል እገዳ ዝተነብረለን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት'ውን ኣለዋ። ዶናልድ ትራምፕ ነዘን 12 ሃገራት ምሉእ እገዳ ዝገበረለን፡ ምስ ሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት ብምትእስሳር እዩ። ዋይትሃውስ ኣብ...
Latest releases
ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሳ
ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝርከቡ መንግስታት፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ሰብአዊ ግህሰት ከም ዝፍጽሙ፡ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስዎች ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ልሳን ነቐፍቶም ንምዕባስ ከም ኣጽዋር መጥቃዕቲ ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ሂዩማን ራይትስዎች፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ኬንያን ዝርከቡወን ኣብ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ገምጊሙ ኣሎ። ዝሓለፈ ዓመት...
ብሪጣንያ፡ ብፈተነ ቅትለት ኤርትራዊ ገበነኛ ዝዀነ ደጋፊ ሂትለር ንሕልፈት ተፈሪዱ
ንዋሕዚ ስደተኛታት ዝቃወም ሕሉፍ የማናዊ ዓሌተኛ ብፈተነ ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዕቝባ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ወዲ 32 ዓመት ካለም አሊሲስ ፓርስሎው፡ ናብ ሓደ ስደተኛታት ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ሆቴል ብምእታው ንናሆም ሓጐስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ ኣፍልቡን ኢዱን ብኻራ ድሕሪ ምውግኡ'ዩ ተኸሲሱ። ነቲ መስርሕ ፍርዲ ዝመርሐ ዳኛ ዶቭ፡ ኣብ ልዕሊ ናሆም ሓጐስ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ብ"ንኣኽራሪ፡ ዓመጽን ዓሌታዊ ኣረኣእያ ዝተጠምዘዘ፡ ኣተሓሳስባ ሕሉፍ የማናዊ ደጋፊ ናዚ" ዝተደፋፍአ'ዩ...
ኣፕቴክ ኣፍሪቃ፡ ንልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ ዝህብ ትካል ኤርትራውያን
መሃንድስ ግርማይ ዘርኣይ፡ 'ረፕዩተይሽን ፖል ኢንተርናሽናል( RPI) ብዝተባህለ፡ ብደረጃ ዓለም ዝና ንዘጥረዩ ዋና ኣካየድቲ ባንክታት፣ ከምኡ'ውን፡ ንኢንዱስትሪታቶም ናብ ክብ ዝበለ ጽፍሒ ዘዕበዩ፡ ጽልዋ ዘሕደሩን ጸለውትን ሰባት ደረጃን ኣፍልጦን ብዝህብ ትካል፡ ኣብ መንጎ '100 ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን 2025' ተረቚሑ። ግርማይ፡ መስራትን ዋና ኣካያድን ናይቲ ኣብ መዳይ ተተካኢ ጸዓት፡ ብሕልፊ እኳ ደኣ ኣብ ጸሓያዊ ጸዓትን ምጭንጓዕ ማይን ኣድሂቡ ዝዓዪ ኣፕቴክ-ኣፍሪቃ እዩ። እቲ ምስ 100 ህቡባት...
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ እቲ ዝደምቕ ዘሎ ኮኾብ ኒውካስል
እቲ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ኵ'ዕሶ እግሪን ኣሰልጠንትን ክለባትን ደሚቝ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ፕረምየርሊግ እንግሊዝ 9 ሸቶታት ብምምዝጋብ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ተጻወትቲ ኒውካስል ዩናይትድ ኰይኑ ኣሎ። ብዙሓት ምስቲ ናይ ኵሉ ግዜ ኮኾብ ኣርሰናል ዝነበረ ቴሪ ሄንሪ የመሳስልዎ እዮም። ኵዕሶ...