ህወሓት ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ዝሃቦ ግብረመልሲ
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን...
Latest releases
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ ኤርትራውያን ፖሊስ ንክልተ ቀይዱ
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ 3 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንሰለስቲኦም ማእከላይ ጉድኣት ከምዝወረዶም እስራኤል ታይምስ ገሊጻ።
ኤርትራዊ ስደተኛ ብኸመይ’ዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጨውዩ ተቐቲሉ?
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ተጨውዩ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ተዘራርብ ዘላ መጽሓፍ ‘ኮኾብ ሰሜን’ ትሕዝቶኣ እንታይ እዩ፤ ዶር. ፍጹም ከ መን እዩ?
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራውያን መዛረቢ ኣርእስቲ ፈጢራ ተርአ ዘላ መጽሓፍ፡ ኣብ 2022 ብመምህር መኮነን ተስፋይ ዝተጻሕፈት ዛንታ ህይወት ሓደ ዶር. ፍጹም ገብረስላሰ ዝተባህለ ኤርትራዊ ተጋዳላይ እትጸዊ ዓባይ መጽሓፍ እያ።
መዓስከር ኣለምዋጭ -- ኤርትራዊ ስደተኛ ብዕጡቓት ተቐቲሉ
ኣዲስ ኣበባ —ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ፡ ዕጡቓት ናብቲ ኤርትራውያን ተዓቝቦምብሉ ዘለዉ ብምምጻእ፡ ንሓደ ካብቶም ተዓቈብቲ ናብ በረኻ ወሲዶም ከም ዝቐተሉ፡ መቕርቡ ካብቲ ቦታ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ሓሙስ ካብቲ መዓስከር በቶም ዕጡቓት ዝተወስደ ስደተኛ፡ ብቐዳም’ዩ ኣብ በረኻ ተቐቲሉ ተረኺቡ።