Refugee who 'embraced' Canada fatally shot by stranger, judge hears as killer pleads guilty
A Calgary man who shot into a crowded bar, killing a new-to-Canada refugee pleaded guilty to manslaughter on Tuesday and was handed an eight-year prison sentence. Originally charged with...
Latest releases
እድሪስ ብሬራይ፡ እቲ 'ፍቱውን ፍትሓውን' ተቓላሳይ
እድሪስ ዑስማን ዑመር እዩ ዝበሃል፣ ኵሉ ሰብ ግና በታ "ብሬራይ" እትብል መጸውዒቱ እዩ ዝፈልጦ። ኣቦኡን ኣደኡን ካብ ምጽዋዕ 30 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሩብሩብያ ኣብ እትበሃል ዓዶም ኰይኖም ህይወቶም ኣብ ዝመርሕሉ ዝነበሩ፡ ብ20 ሰነ 1953 እዩ ተወሊዱ። ኣቦኡ ዑስማን ዑመርን ኣደኡ ፋጥና ሓጅ ስዒድን ኣብ መንጎ ዝወለዱዎም ሰለስተ ኣዋልድን ኣርባዕተ ኣወዳትን ማሚቑ ዝዓበየ ብሬራይ፡ ኣብቲ ወለዱ ህይወቶም ንምምራሕ ዘካይዱዎ ዝነበሩ ናይ ሕርሻን መጓሰን ንጥፈታት፡ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ እዩ ጥሪት ብምጕሳይ ስድራኡ ክሕግዝ ዝጀመረ።
ኣስመራ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክገብር ኤርትራ ጸዊዓ
ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ክትከፍት'ያ ዝብል ክሲ "ፍጹም ከምእትነጽጎ" ኣስመራ ገሊጻ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ሎሚ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ቀወምቲ ኣምባሳደራትን ንዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝሃቦ ዘይልሙድ መብርሂ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዶም ከመዘየእተዉ ተዛሪቡ። "መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ መንጎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ህወሓትን ዝቕጽል ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ዝኾነ ተራ የብሉን" ክብል ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ። ...
ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ምክፍፋል ከተጋድድ ድሌት ከምዘይብላ ገሊጻ
ኤርትራ፡ ነቲ ኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ 'ናይ ምዝራግ' ድሌት ከምዘይብላ ኣፍሊጣ። ብወገን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝጋዋሕ ዘሎ "ንኵናት ዝቕስቅስ መግለጺታት" ጠንቂ ምትፍናን ይኸውን ከምዘሎ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ገሊጹ። "ኤርትራ ነቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘለዉ ፖለቲካውያን ጉጅለታት ዘሎ ምግምማዕ ንምግዳድ ድሌት" የብላን ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ። ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣለዉ ንዝብል ክስታት ደጊሙ...
ከተማ ራይወይክ ናይ ኔርዘላንድስ፣ ምትእክኻብ ኤርትራውያን ኣጊዳ
ከንቲባ ራይወይክ ናይ ኔዘርላንድስ፣ ሁሪ ሳሂም፣ ኣብዚ ወርሒ‘ዚ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ኣጊዱ።እቲ ከንቲባ፣ ምትእክኻብ ኤርትራውያን ክእግድ ዝተገደደሉ ምኽንያት፣ ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ባእሰን ዕግርግርን ከይፍጠር ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ፣ መርበብ ዜና ኔዘርላንድስ ታይምስ፣ ኣብ ናይ 12 መጋቢት ጸብጻቡ ሓቢሩ።...