ኤርትራ፡ 'ዝወጽኡ ሓደስቲ መምርሒታት' ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ይፈጥሩ
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ...
Latest releases
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ ኤርትራውያን ፖሊስ ንክልተ ቀይዱ
ኣብ ደቡብ ተልኣቪቭ ብዘጋጠመ ባእሲ 3 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንሰለስቲኦም ማእከላይ ጉድኣት ከምዝወረዶም እስራኤል ታይምስ ገሊጻ።
ኤርትራዊ ስደተኛ ብኸመይ’ዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተጨውዩ ተቐቲሉ?
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ተጨውዩ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ተዘራርብ ዘላ መጽሓፍ ‘ኮኾብ ሰሜን’ ትሕዝቶኣ እንታይ እዩ፤ ዶር. ፍጹም ከ መን እዩ?
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራውያን መዛረቢ ኣርእስቲ ፈጢራ ተርአ ዘላ መጽሓፍ፡ ኣብ 2022 ብመምህር መኮነን ተስፋይ ዝተጻሕፈት ዛንታ ህይወት ሓደ ዶር. ፍጹም ገብረስላሰ ዝተባህለ ኤርትራዊ ተጋዳላይ እትጸዊ ዓባይ መጽሓፍ እያ።
መዓስከር ኣለምዋጭ -- ኤርትራዊ ስደተኛ ብዕጡቓት ተቐቲሉ
ኣዲስ ኣበባ —ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ፡ ዕጡቓት ናብቲ ኤርትራውያን ተዓቝቦምብሉ ዘለዉ ብምምጻእ፡ ንሓደ ካብቶም ተዓቈብቲ ናብ በረኻ ወሲዶም ከም ዝቐተሉ፡ መቕርቡ ካብቲ ቦታ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። ሓሙስ ካብቲ መዓስከር በቶም ዕጡቓት ዝተወስደ ስደተኛ፡ ብቐዳም’ዩ ኣብ በረኻ ተቐቲሉ ተረኺቡ።