ፖላንድ፡ ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓዊሳ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ጐስጓስ ጀሚራ
ፖላንድ ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን ብምትኳር ጐስጓስ ከም ዝጀመረት ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይታ ሃገር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ኣፍሊጡ። እቶም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት፡ ንኣሰጋገርቲ ሰባትን ዶብ ቤላሩስ-ፖላንድን ኣሚኖም ክመጽኡ ከም ዘይብሎም ድማ ኣጠንቒቑ። ነዚ ተበግሶ ንመጀመርታ ግዜኡ ኣብ ምያዝያ እኳ እንተ ኣወጀቶ፡ ብመንገዲ ቤላሩስ ኣቢሎም ናብ ፖላንድ ዝኣትዉ ዝደተኛታት ብብዝሒ ናይ ኣየኖት ሃገራት...
Latest releases
ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክትልእኽ እያ
ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ በዓልስልጣን ርክባት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።
ስዊዘርላንድ: ኤርትራውያን ኣንጻር ‘ዓሌታዊ’ ውሳነ ባይቶ እታ ሃገር ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም
ሃገራዊ ባይቶ ስዊዘርላንድ ናይ ዑቕባ ሕተኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክልእኽ ንዘሕለፎ ውሳኔ ዝቓውም ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
ዝኽሪ መበል ሳላሳን ሰለስተን ዓመት ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ
ኤርትራ ሃገርና ልዑላውትን ናጻን ሃገር ካብ እትኸውን፡ እንሆ ሳላሳን ኣርባዕተን ሕስመ ዓመታት ኣቊጽራ ኣላ። ብክቡር ኩሉ ዓይነት መሪር መስዋእቲ፣ ሕሱም ስቃይ ስደት፣ ዛራ ንብዓት ጠዋሪ ዝሰኣኑ ወለድን ኣባዲ ዝተሓረሙ ዝኽታማት ህጻናትን ዝተገዝመት ኤርትራ፡ ህዝባ ብድሕሪ ናጽነት ዝዓጸዶ ኩሉ ዓይነት ሓሳረ መከራ ጸብጽብካ ነይውዳእ።
ታሪኽ 17 ሰነ 1876፡ ቅንጸላ ሚስዮናውያን ኣብ ዓዲ ቖንጺ
እቲ ዘበን፡ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ኣብ ሓይል ውድድር ዝተጸምድሉ፡ ሃጸይ ቴድሮስን ዮውሃንስን ንመረብ-ምላሽ ንምግዛእ ዝቆራቖሱሉ፡ ግብጻውያን ገዛእቲ ነቲ ጉዳይ ክምዝምዙ፡ ዉግእ ወኪ-ዱባ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሓሉ እዋን እዩ ነይሩ።