How Nigeria, Eritrea, Ethiopia are becoming key FDI sources for Rwanda
African countries Nigeria, Eritrea, and Ethiopia stood out among the top ten sources of Foreign Direct Investments (FDIs) in Rwanda in 2024, contributing over $464 million in FDIs. Nigeria in...
Latest releases
ብህዝቢ ኤርትራ ላግጺ ያኣክል ካላኣይ ክፋል
ብህዝቢ ኤርትራ ላግጺ ያኣክል ኤርትራዊ መንእሰይ ንርስቱ ንሪሙ ይካላኸል ኣሎ እንዳ ከፈለ ደሙ፣ ዓሻ በጊዕ ምስ ቶኹላ ዕርክነት ንኢትዮጵያዊያን ኤሊት ኣሚንካስ ጉራ እቶም ንህዝባ በቲኖም ዝምነዩ ንባሕራ ምስኦም ኮንክካስ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፣ ብላዕ ዘይበልዎስ ጽብሑለይ በለ ኤርትራዊ ዋጋ እንዳ ከፈለ ያኣክል ጉያ ንሽዋ...
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ግዳይ ዝዀኑሉ 'ባርዕ ግረንፈል' ሕጂ ኸ ንምንታይ የካትዕ ኣሎ?
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሓደጋታት፡ እቲ ኣብ ሰነ 2017 ኣብ ምዕራብ ለንደን ዘጋጠመን ንግረንፈል ታወር ዘዕነወን ባርዕ ይጥቀስ፤ እቲ ሓደጋ 72 ህይወት ዝቐዘፈ እዩ። ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እቶም ዝያዳ ዝተጐድኡ ማሕበረሰባት ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ካብ ክልቲኡ ሕብረተሰብ ልዕሊ ፍርቂ ህጻናት ዝርከቡዎም 12 ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጠንቂ እቲ ባርዕ ብዙሕ ከዘራርብን ምጽራይ ክግበረሉን ጸኒሑ እዩ። ...
ኣስመራ፡ ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ
ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ኣምባሳደር ሲልቨይን ኣስቴር ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ብምርኻብ ተዘራሪቡ'ሎ። ምብጻሕ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ንኤርትራ ትህቦ ዝነበረት ደገፍ ደው ከተብሎ ድሕሪ ምውሳና'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራ ንዝተነጽጕ ዜጋታታ ምቕባል ብምእባያ ሓገዝ ከተቋርጽ ወሲና
ስዊዘርላንድ፡ ብሰንኪ'ቲ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ነታ ሃገር እትገብሮ ዝነበረት 'ልምዓታዊ ሓገዝ' ክቋረጽ ከም ዝወሰነት ኣፍሊጣ። ስዊዘርላንድ፡ እቶም ብዝተፈላለየ መገዲ ናብታ ሃገር ብምእታው ሕቶ ዕቝባ ኣቕሪቦም ዝተነጽጕ ኤርትራውያን፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱን ኤርትራ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ብዘይምዃናን እያ ናብዚ ውሳነ ከም ዝበጽሐት ገሊጻ...