ኢትዮጵያ፡ ወጥሪ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰጒጓ
ኢትዮጵያ ንልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ዘጽንሓቶም ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ ሰኑይ 29 ሚያዝያ 2025 ብኽልል ዓፋር ኣቢላ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ከም ዘባረረቶም ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኣስሩ ካልኦት ኤርትራውያን'ውን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከም ዝተገብረ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ቀረባ ቤተሰብ ናይ ሓደ ካብቶም ዝተሰጐጉ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ካብቲ ብ15 ሚያዝያ ዝተባርዐ ግጭት...
Latest releases
ቱር ዲፍራንስ 2024፡ ቢንያም ግርማይ ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ቱር ዲፍራንስ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ብምውጻእ ንውልቑ፡ ንጋንታኡን ንሃገሩን ናይ መጀመርታ ናይ መደረኽ ዓወት ኣብ ቱር ዲፍራንስ ኣመዝጊቡ።
ንመትረብ እንግሊዝ ካብ ዝሰግሩ ስደተኛታት ክንደይ ዝኣኽሉ ዑቕባ ይረኽቡ?
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ንኸይሰግሩ ንምዕጋት፡ ገለ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክሰጉግ ድሌት ኣለዎ።
ኢጣልያ፡ ስለምንታይ'ዮም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ተመሃሮ ትምህርቶም ንምዝዛም ዝጽገሙ ዘለው?
ጸብጻብ ዓለም ለኻዊ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ኣብ ጥልያን ናይ ትምህርቲ ዕድል ይረኽቡ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን 'ቀጥታዊ ናይ ኣየር ርክብ' ንምጅማር ውጥን ከምዘሎ ተገሊጹ
ኤርትራን ኢጣልያን ኣብ ቀረባ እዋን ቀጥታዊ በረራታት ክጅምራ ምዃነን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ጸብጺበን።
Load more...