ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸፈቶ ቤት ጽሕፈትን ዕላማታቱን
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብርጌድ ንሓመዱ ብዝብል ዝፍለጥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተ ክንገር ጸኒሑ እዩ። ብርጌድ ንሓመዱ ግን መን እዩ? ስሙን ድሕረ ባይትኡን? ራኢኡን ዕላማኡን እንታይ እዩ? ቢቢሲ፡ ነዚ ሕቶታት ንምምላስ ምስ ኣካየድቲ እቲ ምንቅስቓስን ገዳይም ተቓወምቲ ሓይልታትን ኣዘራሪቡ ዘሰናድኦ ጽሑፍ እነሆ። ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ዘረጋገጸት ኤርትራ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ...
Latest releases
ሃገርና ኤርትራ ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲ ስነጥበባውያን ኸሲራ!!
ህቡብ ስነ-ጥበባዊ ሃገርና ዑስማን ዓብደልረሒም ብዕለት 07 መስከረም 2024 ዓም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም - ሽወደን ብሕማም ዓሪፉ። ዑስማን በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ውሉዳትን እዩ።
ገዲም በሃር ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ዓሪፉ
ህቡብ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ሰንበት 8 መስከረም ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ሽወደን ከምዝዓረፈ፡ ኣዝማዱን ፈተውቱን ንቢቢሲ ሓቢሮም።ኣብ 1948 ኣብ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ዑስማን፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ - ኣብ ፈለማ 60ታት ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝኣተወን ካብቶም ኣብ 60ታት ዝተቐልቀሉ ኣብ ዘመናዊ ሙዚቃ ትግርኛ ኤርትራ ዓቢ ኣሰር ዝገደፉ ብሉጻት ስነጥበባውያን ምዃኑ ይንገረሉ።
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ባሕቲ መስከረም ታርኻዊት ዕለት፣ጽንብል መበል 63 ዓመት፣ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ብጅግና ሐምድ እድሪስ ዓዋተን ሐርበኛታት ብጾቱን ብ61ባሕቲ መስከረም፣ ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ፣ድሕሪ 30 ዓመት ብረዚን መስዋእቲ (ብ91ምስ ተዛዘመ።
ቱርኪ ንኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ካብ ምጥራዝ ክትቁጠብ ኣምነስት ጸዊዑ
ተጣባቒ ሰብኣዊ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣማኢት ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ቱርኪ ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ገሊጹ። ኣምነስት ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ትሕቲ “ሓደጋ ብሓይሊ ምምላስ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ኤርትራውያን’ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ቱርኪ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዘይድሌቶም ናብ ሃገሮም እንተጠሪዘሞም ንስቃይን ንማእሰርትን ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ዘለዎ ስክፍታ ሓቢሩ።