How Minneapolis comedian John Gebretatose turned his mother’s survival story into Good Camel Comedy
John Gebretatose’s comedy theater aims to bring healing and joy to Minneapolis’ BIPOC communities, inspired by his mother’s journey from Eritrea to the United States. In the late 1970s, as the civil...
Latest releases
ኤርትራውያን ኣብ ኮንትሮባንዳን ዘይሕጋዊ ተግባራት ይነጥፉ ኣለዉ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ወቒሱ
ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲን ካልአ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ይዋፈሩ ኣለዉ ክብል ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ገሊጹ።እቲ ክፍሊ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣዝማድ ንምብጻሕ፡ ካብ ኤርትራ፡ ዱባይን ኡጋንዳን፣ ብሕጋዊ መንገዲ ብቪዛ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሳንጣታት ኣቁሑት ብምታውን ምውጻእን፡ ኣብ ኮንትሮባንዳ ከምዝተዋፈሩ ‘ዩ ወቒሱ። ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን፡ ን90 መዓልታት ዝጸንሕን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝህረምን ቪዛ ከምዝወሃቦም ዝሓበረ እቲ ክፍሊ፡ ይኹንምበር ብዙሓት ካብኣቶም ካብቲ ዝፍቀደሎም ግዜ ንላዕሊ...
‘ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ኣብ ቁጠባ ኡጋንዳ ኣበርኪቶም’
ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ኣውፈርቲን ካልኦት ዕዱማትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ፣ ን21 ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ከምዘሎ መርበባት ዜና ካብ ካምፓላ ሓቢረን።እቲ ኣብ፣ ፓላስ ፕለይ ፓርክ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ፣ ብምትሕብባር ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገርን ዝተዳለወ ምዃኑ መርበብ ዜና ናይል ፖስት ጠቒሱ። ኣብቲ ንኻልኣይ እዋኑ ከምዝካየድ ዝተገልጸ ዋዕላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡጋንዳ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳን ካልኦት ዕዱማትን...
ኤርትራ፡ ታሪኻዊ መስመር ባቡር ናበይ ኣበለ?
እቲ ካብ ወደብ ባጽዕ ጀሚሩ ጊንዳዕን ኣስመራን ረጊጹ ንከረን ሓሊፉ ብኣቑርደት ኣቢሉ ድማ ኣብ ቢሻ ዝበጽሕ ዝነበረ 306 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ሓዲድ ብኸመይ ዓንዩ? ንምንታይከ ብግቡእ ክጽገን ዘይተኻእለ? ኢሎም ዝውከሱ ብዙሓት እዮም።ሓደ ካብ'ቶም ብግቡእ፡ ማለት ብዓሚቝን ብጸንቃቕን ኣገባብ ምርምር ዝተገብረሎም ዛዕባታት: እቲ ታሪኽ ናይ'ቲ ብጊዜ ጣልያን ዝተሃንጸ መስመር ባቡር ኤርትራ'ዩ። እታ ቀንዲ ተመራማሪት ጂኒ ስትሪት ዝተባህለት እንግሊዛዊት ጸሓፊት ክትከውን ከላ ምስ ሓላፊ ፈሮቭያ ዝነበረ ነፍሲሄር ኣማኒኤል ገብረስላሴ ብቐረባ ብምትሕብባር'ያ ነቲ ምርምር...
ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምስጓጕ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ሻቕሎቱ ገሊጹ
ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ምጥራዞም ከምዘሻቐሎ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንሕቶታት ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ምስጓጒ ኤርትራውያን "ኣፍልጦ" ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ክምለሱ ዘይግቦም ስደተኛታት ዝርከብዎም ከይኮኑ ዘለዎ ስግኣት ኣነጺሩ። "ዝተመዝገቡ ስደተኛታትን፡ ከምኡ'ውን ክፍለጡ ዘይክኣሉ ግና ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘድልዮም ሰባት ምስቶም ዝተመልሱ...