Opinion: From Lost Cause to National Agenda: Ethiopia’s bold move to end landlocked isolation, secure coastal gateway
In the late 19th century, under Emperor Menelik II, Ethiopia successfully defended its sovereignty against Italian colonial ambitions at the Battle of Adwa in 1896. However, by then, Italy had...
Latest releases
ንኤርትራ ዝምልከት መግለጺ ሙላቱ ተሾመ፡ ኢትዮጵያ ዝሃበቶ ግብረ-መልሲ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ (ዶ/ር) ኣብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ዝጸሓፎ ሓሳብን ብብዙሓት ንወድዓዊ ኵነታት ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ይገልጽ'ዩ ተባሂሉ ዝተዘረበሉ ጽሑፍ፡ ውልቃዊ ርእይቶኡ እምበር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገልጽ ከም ዘይኰነ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ኣብቲ ዞባ ካብ ዝነበሮ ተመኵሮ መሰረት ብምግባር፡ ውልቃዊ ርእይቶኡ ሂቡ፡" ብምባል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ዓሰብ፡ ኵነታት ናይተን ኤርትራ ዝሓዘተን መራኽብ ኣዘርባዣንን ኣባላተንን
ኤርትራ ዝሓዘተን መራኽብ ኣዘርባዣን ሕጂ'ውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝርከባ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሮም። እተን ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ተታሒዘን ዘለዋ መራኽብ ብዘይፍቓድ ናብ ልኡላዊ ማያት ኤርትራ ብምእታወን'የን ተታሒዘን። ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎ ትረንድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እተን መራኽብን ኣባላተንን ክሳብ ሎሚ ኣይተለቐቓን። እዘን ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብሓደ ኣገልግሎት ባሕሪ ካስፒያን ቢ-ቪ (Caspian Marine...
ብዛዕባ ርክብ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን መን እንታይ ይብል?
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ተቐባልነት ዘይብሉ ጠቐነ እዩ" ይብል እቲ ካብ...
ኤርትራ፡ ስግኣትን ስንባደን ዝፈጠረ ወተሃደራዊ መምርሒታት
ኣብ ኤርትራ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ዝተፈላለዩ ምንጪታት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም። ብዘይካ'ዚ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ፡ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ንዳግማይ ወተሃደራዊ ስልጠና ክምዝግቡን ክስለፉን መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ዝመሳሰል ሓበሬታ ካብ ዝተፈላለዩ...