ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ
ትማሊ ብፕሮሎግ ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዘካየደሉ: ሄኖክ ምሉእብርሃን ብቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ኮይኑ። እዛ መድረኽ ካብ ከተማ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 157.8 ኪሎ ሜተር ትዝርጋሕ ኮይና፡ ካብዘን ሎሚ ዓመት ዝተሰርዓ እታ ዝነውሐት'ያ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳደምቲ 2019 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም። ኣብዛ መድረኽ ኣብ መበል 32.3 ኪሎ ሜተር ናይ ዓቐበት፡ ኣብ መበል 72.6 ኪሎሜተር ከምኡ'ውን...
Latest releases
ኤርትራ፡ ታሪኻዊ መስመር ባቡር ናበይ ኣበለ?
እቲ ካብ ወደብ ባጽዕ ጀሚሩ ጊንዳዕን ኣስመራን ረጊጹ ንከረን ሓሊፉ ብኣቑርደት ኣቢሉ ድማ ኣብ ቢሻ ዝበጽሕ ዝነበረ 306 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ሓዲድ ብኸመይ ዓንዩ? ንምንታይከ ብግቡእ ክጽገን ዘይተኻእለ? ኢሎም ዝውከሱ ብዙሓት እዮም።ሓደ ካብ'ቶም ብግቡእ፡ ማለት ብዓሚቝን ብጸንቃቕን ኣገባብ ምርምር ዝተገብረሎም ዛዕባታት: እቲ ታሪኽ ናይ'ቲ ብጊዜ ጣልያን ዝተሃንጸ መስመር ባቡር ኤርትራ'ዩ። እታ ቀንዲ ተመራማሪት ጂኒ ስትሪት ዝተባህለት እንግሊዛዊት ጸሓፊት ክትከውን ከላ ምስ ሓላፊ ፈሮቭያ ዝነበረ ነፍሲሄር ኣማኒኤል ገብረስላሴ ብቐረባ ብምትሕብባር'ያ ነቲ ምርምር...
ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምስጓጕ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ሻቕሎቱ ገሊጹ
ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ምጥራዞም ከምዘሻቐሎ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንሕቶታት ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ምስጓጒ ኤርትራውያን "ኣፍልጦ" ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ክምለሱ ዘይግቦም ስደተኛታት ዝርከብዎም ከይኮኑ ዘለዎ ስግኣት ኣነጺሩ። "ዝተመዝገቡ ስደተኛታትን፡ ከምኡ'ውን ክፍለጡ ዘይክኣሉ ግና ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘድልዮም ሰባት ምስቶም ዝተመልሱ...
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ገጽ?
ዋሽንግተን -ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ30 ሕዳር 2024 ምስ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ዓለምለኸ፡ ዞባዊን ዘቤታዊን ጉዳያት ዝምልከት ቃለ-መጠየቕ ገይሩ ነይሩ። ኣብዚ ን2 ሰዓትን 40 ደቓይቕን ዝኸደ ቃለ-ምልልስ፡ እተን ቀዳሞት ክልተ ሰዓታት ኣብ ዓለምለኸ ጉዳያት ብቐንዱ ግን ኣብ ኣመሪካ፡ ቻይና ከምኡ’ውን ከባቢያዊ ኩነታት ካብኡ ዝበዝሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ መብርሂ ሂቡ። ነዚ ስዒቡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ዘለዎ ምዃኑ ዝሕበር መደበር ቴለቪዥን ፋና፡ ንቃለ-መጠየቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብትሪ ዝነቅፍን ቁዋም ዘይብላ ሃገር እናመርሐ ንገዛእ ጉዳያቱ...
ኤርትራ፡ መበል 6ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተመሪጾም
ኣቡነ ባስልዮስ መበል 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዃን ተመሪጾም። ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ምርጫ ሲኖዶስ'ዮም ዝለዓለ ድምጺ ብምርካብ ነቲ ጥርሑ ዝጸንሐ መንበረ ፓትሪያርክ ክርከቡ ተሓርዮም ዘለዉ። ኣብቲ ምርጫ 85 ኣባላት ሲኖዶስ ከምዝተረኽቡ እታ ቤተክርስትያን ዘውጽኣቶ ወግዓዊ መግለጺ ይጠቅስ። ሰለስተ ጳጳሳት ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም ነይሮም። ...