ሓድሽ ማዕበል ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይ 'ቢንያም ግርማይ' ይፈጥርዶ ይኸውን?
ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ሚልክያስ ማእከለ፡ ኣብ ኮንቲነንታል ጋንታ ንመጀመርትኡ ደኣ ይጸንበር'ምበር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ዝተፈለላየ ውድድራትን ዓወታትን ተጐናጺፉ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር 'ግራንድ ፕሪክስ ላ ቢለ' ብዘደንቅ ቅጽበታዊ ውድድድር ምስ ተዓወተ፡ ኣብ ሽኳ ዘለዎ ብቕዓት ዝተዓዘቡ ብዙሓት ሰባት ምስቲ ኣብ 2024 ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ ከመሳስሉዎ...
Latest releases
ኤርትራን እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ መድሃኒት ዝጻወር ዓሶ የስፋሕፍሕ ኣሎ
ተመራመርቲ መድሃኒት ሕማመ ዓሶ ምጽዋር ዓቕሚ ዘለዎም ጽግዕተኛ ሕማም ዓሶ ኣብ ኣፍሪቃ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብህጹጽ ስጕምቲ እንተዘይተወሲዱ ህይወት ሚልዮናት ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣጠንቂቘም። እዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም፡ በቲ ኣርተሚሲኒን ዝበሃል መድሃኒት ዓሶ ናይ ምክልኻል ባህሪ ኣጥርዩ ከምዘሎ’ዮም እዞም ተመራመርቲ...
ኤርትራ፣ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ወይ ማትሪክ ካብ ዝተፈተኑ ልዕሊ 18 ሽሕ ተማሃሮ፣ እቶም ኣስታት 75% ተሪፎም
ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ወይ ማትሪክ ካብ ዝተፈተኑ 18,638 ተማሃሮ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ፣ እቶም ኣስታት 75% ከምዝተረፉ ተሓቢሩ።
ቱር ዲ ፍራንስ፡ ቢንያም ጸወታ ክዛዘም ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ወዲቝ፡ ጃስፐር ቀዳማይ ወጺኡ
መበል 16 መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ እታ ናይ መወዳእታ ጐልጐል ዝዓብለላ መድረኽ ኰይና ካብ ጉሩሳን ናብ ኒመስ ዝዝርጋሕ 188.6 ኪሎሜተር ትዝርሕ’ያ ነይራ።
10 ኤርትራውያን ኣትሌታት ንኻልኦት ሃገራት ወኪሎም ኣብ ውድድር ኣትለቲክስ ፓሪስ 2024 ክቐርቡ እዮም
በብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጽኦም፣ ዑቕባ ንምሕታት ኣብ ዝተረፉለን ሃገራት፣ ዕዉታት ስፖርተኛታት ዝኾኑ 10 ኤርትራውያን፣ ነተን ዝነብሩለን ወይ ዜግነት ዝወሰዱለን ሃገራት ብምውካል፣ 26 ሓምለ ኣብ ዝኽፈት ውድድር ኦሎምፒስክ ፓሪስ 2024 ክሳተፉ ምዃኑ ተፈሊጡ።