ብህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብዑ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ
እቶም ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ካብቲ ብፍሉይ ዝዝከሩሉን ዝኽበሩሉን፡ ጸግዒ ግፉዓትን ውጹዓት ብምዃን ንሰብኣውነትን ክብሪ ደቂሰብን ዝነበሮም ዘይቅየር ክብሪታቶም እዩ። ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ሰባት ብዝፈጠርዎ ይዅን ባህሪያዊ ሓደጋታት ኣብ ሽግርን ሕሰምን ንዝወደቑ ማሕበረሰባት ደው ብምባል ንስለኦም ተማጕቶም፡ ንፍትሒ ጸዊዖምን ጸልዮምን እዮም። እቶም ወገን ሃይማኖት ዘይፈልዩ መንፈሳዊ ኣቦ፡...
Latest releases
ኤርትራ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው "ተራ የብለይን" ትብል
ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ክትከፍት'ያ ዝብል ክሲ "ፍጹም ከምእትነጽጎ" ኣስመራ ገሊጻ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ትማሊ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ቀወምቲ ኣምባሳደራትን ንዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝሃቦ ዘይልሙድ መብርሂ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዶም ከምዘየእተዉ ተዛሪቡ። "መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ መንጎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ህወሓትን ዝቕጽል ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ዝኾነ ተራ የብሉን" ክብል ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ። ...
እድሪስ ብሬራይ፡ እቲ 'ፍቱውን ፍትሓውን' ተቓላሳይ
እድሪስ ዑስማን ዑመር እዩ ዝበሃል፣ ኵሉ ሰብ ግና በታ "ብሬራይ" እትብል መጸውዒቱ እዩ ዝፈልጦ። ኣቦኡን ኣደኡን ካብ ምጽዋዕ 30 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ሩብሩብያ ኣብ እትበሃል ዓዶም ኰይኖም ህይወቶም ኣብ ዝመርሕሉ ዝነበሩ፡ ብ20 ሰነ 1953 እዩ ተወሊዱ። ኣቦኡ ዑስማን ዑመርን ኣደኡ ፋጥና ሓጅ ስዒድን ኣብ መንጎ ዝወለዱዎም ሰለስተ ኣዋልድን ኣርባዕተ ኣወዳትን ማሚቑ ዝዓበየ ብሬራይ፡ ኣብቲ ወለዱ ህይወቶም ንምምራሕ ዘካይዱዎ ዝነበሩ ናይ ሕርሻን መጓሰን ንጥፈታት፡ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ እዩ ጥሪት ብምጕሳይ ስድራኡ ክሕግዝ ዝጀመረ።
ኣስመራ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክገብር ኤርትራ ጸዊዓ
ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ክትከፍት'ያ ዝብል ክሲ "ፍጹም ከምእትነጽጎ" ኣስመራ ገሊጻ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ሎሚ ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ቀወምቲ ኣምባሳደራትን ንዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝሃቦ ዘይልሙድ መብርሂ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዶም ከመዘየእተዉ ተዛሪቡ። "መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ መንጎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ህወሓትን ዝቕጽል ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ዝኾነ ተራ የብሉን" ክብል ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ። ...
ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ምክፍፋል ከተጋድድ ድሌት ከምዘይብላ ገሊጻ
ኤርትራ፡ ነቲ ኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ 'ናይ ምዝራግ' ድሌት ከምዘይብላ ኣፍሊጣ። ብወገን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝጋዋሕ ዘሎ "ንኵናት ዝቕስቅስ መግለጺታት" ጠንቂ ምትፍናን ይኸውን ከምዘሎ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ገሊጹ። "ኤርትራ ነቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘለዉ ፖለቲካውያን ጉጅለታት ዘሎ ምግምማዕ ንምግዳድ ድሌት" የብላን ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ። ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣለዉ ንዝብል ክስታት ደጊሙ...