ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ
ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ፣ ዓዲ ሰግዶ መርድእ በጺሑኩምዶ፣ ወየ ወየ ኣብ ስደት ዓሪፉ ንጋዶ፣ ቁምጣ ዓጢቑ ንነጻነት ኣንጊሁ ምስ ገስገሰ፣ ሐርበኛ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ ተደምሰሰ፣ ንዳግማ መግዛእቲ ስለ ዘይወጸ፣ዘይተመለሰ ዓገብ ዝበለት ልሳንካ ያኣኽለኒ ኢላዶ ሎምሰ፣ የማነ ዕምሪ ኣኺላ መጸዋዕታ መጺኡኒ፣ ኣቦ ዋዕሮ ወይኒ ኢልካ ዶ ኣፋንዉኒ፣ ወየ...
Latest releases
እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለታት ኤርትራውያን ብዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ሓደተቐቲሉ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ
ኣብ እስራኤል፣ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ኣብ መንጎ ክልት ጉጅለታት ኤርትራውያን ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን፣ ሓደ ክቕተል እንከሎ ሓደ ድማ ብከቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ከምዘሎ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እስራኤል፡ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ብዝተላዕለ ባእሲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ ካልእ ብኸቢድ ቆሲሉ
ትማሊ ምሸት ኣብ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሎም ዝጽውዑ ጕጅለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈጥረ ባእሲ፡ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቆሲሉ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኤርትራ፣ ኣብ ኦሎምፒስክ ፓሪስ 2024፣ ብ14 ስፖርተኛታት ክትውከል’ያ
ኤርትራ ኣብ‘ቲ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝሰላሰል መበል 33 ውድድር ጸወታታት ኦሎምፒክስ፡ ኣብ ዓውዲ ኣትለቲክስ፡ ብ10 ብስፖርታውያን ክትካፈል ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ World Atheltics ዝተረኸበ ዝርዝር መረድኢታት ኣረጋጊጹ።
መዓስከር ኣለምዋጭ፣ ናብ ቀዳም ኣብ ዝውግሐ ለይቲ፣ ሓደ ቀሺ ዝርከቦም፡ ሸውዓተ ኤርትራውያን ብዕጡቓት ብሳንጃ ተወጊኦም
ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ጎንደር፡ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ፣ ናብ ቀዳም 06 ሓምለ 2024 ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ሓደ ቀሺ ዝርከቦም፡ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕጡቓት፣ ብሳንጃ ተወጊኦም።