ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ይሓቱ
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ሓቲቶም። እቶም ካብ ሊቢያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ'ዮም ተዓቚቦም ዘለዉ። "ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ሰማዕቲ ትግርኛ ኣሕዋትና፡ ኣብዚ ንሕና ብጥምየትን መከራን ቁርን ንመውት ኣለና" ክብሉ ብቪድዮ ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ተማሕጺኖም።...
Latest releases
ኤርትራ፣ ብሰንኪ ስግኣት ኣብ ከሰላ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም ኮሌራ ዶባታ ዓጽያ
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ከሰላ ኣስፋሕፊሑ ብዘሎ ሕማም ኮሌራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 100 ድማ በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ብምጥሓላ 8 ሰባት ሞይቶም
ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት እቶም ሸሞንተ ከምዝሞቱ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ። እታ ጃልባ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ፓስ-ደ-ካለይ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ቦሎን-ሱር-መር ኣብ ዝርከብ ማያት ድሕሪ ሰዓት 01፡00 [ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር] ኣብ ጸገም ድሕሪ ምእታዋ፡ ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕን ሓበሬታ ከምዝበጽሖም ተፈሊጡ።
ዑስማን ዓብዱልራሒም -- 60 ዓመታት ኣብ መድረኽ፣ መረዋሕ ድምጺ፡ ንስለ ፍቕሪ
ዋሽንግተን —ኣብ 1948 ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየን ዝተማህረን ዑስማን ካብ ብንእሽቶኡ እንከሎ ፍቕሪ ሙዚቃ ሓዲሩዎ።ዑስማን ዓብዱልራሒም ከም በዓል “ኣብ ከተማ ምጽዋዕ”፡ “ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ”፡ “ጸላም ብሮት ዘላት” “ዓቕሊ ጽበት”፡ “ኣብ ገዛና ዘለኹም”፡ “ክልእከክን ረጋቢት”፡ “ናይ ኣካል ቪታሚን” ወዘተ. ዝብላ ኣብ ሰማዕቲ ዓቢ ጽልዋ ዘሕደራ ደርፍታት ኣፍርዩ’ዩ። ን60 ዓመታት ኣብ መድረኽ፡ በቲ መረዋሕ ድምጹ ዝተቓነየ ዑስማን ዓብዲልራሒም ኣብ መበል 74 ዓመቱ ኣብ ሽወደን’ዩ ዓሪፉ።
ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ መሰል ደገፍቱ ክሕሎ ዝጽውዕ ሰልማዊ ሰልፊ ኣካይዱ
ህግደፍ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ደግፍቱ፡ ናይ ምእካብ፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን ካልእን መሰላቶም ክሕሎ ዝጽወዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዱ። ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ 10 መስከረም፡ ኣብ ከተማ በርን ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ‘ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕጊ ስዊዘርላንድ ናይ ምዝራብን ምትእኽኻብን መሰልና ክሕለወልና‘ ክብሉ ደገፍቲ ህግደፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም።