ብዛዕባ ርክብ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን መን እንታይ ይብል?
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን...
Latest releases
ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ቅርሲ ሃገራዊ ስነጥበብ ኤርትራ
በሃር ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ሽወደን ከም ዝዓረፈ ዝዝከር እዩ።ዑስማን ኣብ ምዝማን ሙዚቃ ኤርትራ ዓቢ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ፍቱዋት ድምጻውያን ሓደ እዩ። ኣብ 60ታት 70ታት፡ ማሕበራውን ሃገራውን ትሕዝቶ ዘለዎም ደርፍታቱ ኣብ ኵሉ መዳያት ዓሚቝ ስምዒት ቀስቂሶም እዮም። 16 ዓመት ኣብ ዘይመልአ ዕድመኡ፡ ኣብቲ ንፈለማ እዋን...
ኣስመራ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ 'ወግዓዊ' ምብጻሕ ንምክያድ ኤርትራ ኣትዩ
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸክ ማሕሙድ "ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ" ንምክያድ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣስመራ ኣትዩ።እቲ ብሰንኪ ጉዳይ ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥርን ምትፍናንን ዝርከብ ሶማላዊ መራሒ ኣብ ኤርትራ ተደጋጋሚ ምብጻሕ ከካይድ ይርአ።ካብ 2018 ንድሓር ምስ ሞቓድሾ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዝጀመረት ኣስመራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሶማልያ ከተስልጥን ምጽንሓ ይፍለጥ።
ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቆሲሎም
ኣዲስ ኣበባ —ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 6 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ወረዳ ዳባት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጥይትን ብኻራን ተሃሪሞም ከምዝቖሰሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ብኢሜይል መብርሂ ዝሃበ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን በቲ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ገሊጹ፣ ኣብ ሆስፒታል ዳባት ሓገዝ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ
ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ፣ ዓዲ ሰግዶ መርድእ በጺሑኩምዶ፣ ወየ ወየ ኣብ ስደት ዓሪፉ ንጋዶ፣ ቁምጣ ዓጢቑ ንነጻነት ኣንጊሁ ምስ ገስገሰ፣ ሐርበኛ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ ተደምሰሰ፣ ንዳግማ መግዛእቲ ስለ ዘይወጸ፣ዘይተመለሰ ዓገብ ዝበለት ልሳንካ ያኣኽለኒ ኢላዶ ሎምሰ፣ የማነ ዕምሪ ኣኺላ መጸዋዕታ መጺኡኒ፣...