ህወሓት ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ዝሃቦ ግብረመልሲ
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን...
Latest releases
ህወሓት ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ዝሃቦ ግብረመልሲ
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ተቐባልነት ዘይብሉ ጠቐነ እዩ" ይብል እቲ ካብ...
ብዛዕባ ሞት ኤርትራዊ ስደተኛ ሕጂ`ውን ካልእ ሓበሬታ ወጺኡ
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ቤት-ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ 2021 ኣብ ትካል ጥዕና ኣእምሮ ኮቨንትሪ ህይወቱ ከም ዘጥፍአ ዝተገልጸ ኤርትራዊ ሄኖክ ዛይድ ንኣማውታኡ ዝምልከት መርትዖታት ከም ዝሰምዐ ይዝከር። ኣብዚ ሓድሽ ዝወጽአ ሓበሬታ ድማ ቅድሚ ሞቱ ንሰለስተ ሰዓታት ምክትታል ከይተገብረሉ ከም ዝጸንሐ ሓበሬታ ረኺቡ። እዚ ወዲ 23 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ 15 ደቓይቕ ብኣለይቲ ደሃይን ምክትታልን ክግበረሉ ዝግባእ ኰይኑ፡ እቲ ተገሊጹ ዝነበረ ደረጃ 2 ዝበሃል ምእካብ ትዕዝብቲ ድሕሪ ቀትሪ ከም ዘይተኻየደ...
ፈላሚ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ኣትዩ
ትማሊ ብፕሮሎግ ዝጀመረ ዙር ርዋንዳ 2025፡ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዘካየደሉ: ሄኖክ ምሉእብርሃን ብቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ኮይኑ። እዛ መድረኽ ካብ ከተማ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 157.8 ኪሎ ሜተር ትዝርጋሕ ኮይና፡ ካብዘን ሎሚ ዓመት ዝተሰርዓ እታ ዝነውሐት'ያ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳደምቲ 2019 ሜትሮ ብራኸ'ዮም ሓዂሮም። ኣብዛ...
ኣሌክሳንደር ደጊሙ ይደምቕ፡ ሊቨርፑልከ ዋንጫ ከም እትዓትር ኣፍሊጣ ድያ?
ትማሊ ሰንበት ኒውካስል ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት 4 ብ 3 ዘመዝገበቶ ዓወት፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣገዳስነት ዘለዎ ኰይኑ፡ ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ ድማ ናብ ደረጃ ዓበይቲ ተጻወትቲ ዓለምና ዘሕኵሮ ህሞት ነይሩ። ኣሌክሳንደር በተን ትማሊ ዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ተሓጊዙ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት'ዚ ኣብ ፕረምየር ሊግ ዘቝጸረን ሸቶታት 19 በጺሐን። ሰለስተ እንተ ወሲኹ ድማ ኣብታ ክለብ ዝዓበየ ወፍሪ ዝተኻየደሉ ተጻዋታይ ክኽውን እዩ።