ብዛዕባ ርክብ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን መን እንታይ ይብል?
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን...
Latest releases
ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ክትጥቀመሉ ዘይክኣለት?
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥታዊ ስግኣታት ዘሕደረ ዲፕሎማስያዊን ወጥርታት ጸጥታዊ ምትፍናንን ሰፊኑ’ሎ።ዋላ’ኳ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብዝተፈላለዩ ጠንቅታትን ረቛሒታትን ክግለጽ ዝኽእል እንተዀነ፡ ኣውራን መበገሲን ናይዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ግን ጠለብ ኢትዮጵያ እዩ።
ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብቲ ድሙቕ ኣቐባብላ እንታይ ኢሉ?
ኣብቲ ንመበል 111 ግዜ ዝተኻየደ ዙር ፈረንሳ 2024 ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ቀጠልያ ማልያ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ኣስመራ ድሙቕ ኣቐባብላ ተገይርሉ። ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዙር ፈረንሳ ኣብ ኦሎምፒክ ድሕሪ ምውድዳር’ዩ ትማሊ ምሸት ናብ ሃገሩ ኣትዩ።
ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ውድድር ምሕንባስ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝተሳተፈ ኣሮን ገብረ ተመክርኡ የካፍል
ዋሽንግተን —ኣሮን ገብረ ኦዉሱ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ብናይ 50ሜትር ፍሪስታይ(Freestyle) ናይ ምሕንባስ ውድድር ንኤርትራ ወኪሉ ተወዳዲሩ ራብዓይ ደረጃ ብምርካብ ድማ ውድድሩ ዛዚሙ።
ተደራራቢ ሕማምን ባህሊን ዘይዓገታ ኤርትራዊት ተወዳዳሪት ቅርጺ ሰብነት - ስምረት ርእሶም
ውረድ ደይብ ዝምልኦ ጕዕዞ ሂወት እያ ኣሕሊፋ። እታ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና፡ ክሳብ ምስ ምስ ሞት ተፋጢጥጣ ብእምነትን ሓቦን፡ ንዅሉ ሰጊራ እያ ሕልምታታት ዘግሃደት።