ብህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብዑ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ
እቶም ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ካብቲ ብፍሉይ ዝዝከሩሉን ዝኽበሩሉን፡ ጸግዒ ግፉዓትን ውጹዓት ብምዃን ንሰብኣውነትን ክብሪ ደቂሰብን ዝነበሮም ዘይቅየር ክብሪታቶም እዩ። ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ሰባት ብዝፈጠርዎ ይዅን ባህሪያዊ ሓደጋታት ኣብ ሽግርን ሕሰምን ንዝወደቑ ማሕበረሰባት ደው ብምባል ንስለኦም ተማጕቶም፡ ንፍትሒ ጸዊዖምን ጸልዮምን እዮም። እቶም ወገን ሃይማኖት ዘይፈልዩ መንፈሳዊ ኣቦ፡...
Latest releases
ከተማ ራይወይክ ናይ ኔርዘላንድስ፣ ምትእክኻብ ኤርትራውያን ኣጊዳ
ከንቲባ ራይወይክ ናይ ኔዘርላንድስ፣ ሁሪ ሳሂም፣ ኣብዚ ወርሒ‘ዚ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ኣጊዱ።እቲ ከንቲባ፣ ምትእክኻብ ኤርትራውያን ክእግድ ዝተገደደሉ ምኽንያት፣ ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ባእሰን ዕግርግርን ከይፍጠር ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ፣ መርበብ ዜና ኔዘርላንድስ ታይምስ፣ ኣብ ናይ 12 መጋቢት ጸብጻቡ ሓቢሩ።...
ኣስመራ፡ ግብረመልሲ ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን "ኣብ ዝኾነ ህሞት ኲናት ክውላዕ" ከምዝኽእል ዝምጉት መግለጺ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ መርኣያ ናይቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝጋዋሕ ዘሎ ድሌት ኲናት'ዩ ክትብል ኤርትራ ግብረመልሲ ሂባ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ እቲ ጀነራል "ኣካል ናይቲ ብሓይሊ ንኤርትራዊት ወደብ ዓሰብ ንምጉባጥ" ዝህቅን ኣጀንዳ እዩ ክብል ነቒፉ። ኣባል ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ብሰኑይ 10 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ...
ኤርትራ ምስ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝፈረመቶ ስምምዕ፡ ንጸገም ኤለክትሪክ ይፈትሖዶ?
ኤርትራን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ንህንጸት ፕሮጀክት ጸሓያዊ ጸዓት ዝውዕል ተወሳኺ 20 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ከም ዝኸተማ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ።ነቲ ስምምዕ፡ ምኒስተር ፋይናንስን ቍጠባዊ ልምዓትን ኤርትራ ዶ/ር ጊዮርግስ ተኽለሚካኤልን ምክትል ዋና ዳይረክተር ናይቲ ባንክ ልምዓት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሊያንድረ ባሶለን ኣብ ኣስመራ ክታሞም ከም ዘንበርሉ ተሓቢሩ። እዚ 20 ሚልዮን ዶላር፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን መንግስቲ ኤርትራን ዝተፈራረሙዎ...
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝውላዕ ሓድሽ ኲናት ካርታ ሃገራት ዝቕይር'ዩ- ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝውላዕ ሓድሽ ኲናት ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከቢድ ሳዕቤናት ከምዝህልዎ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ገሊጹ። እቲ ኣባል ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ትግራይ ዳግማይ ናብ "ዓውደ-ውግእ" ከይትምለስ ዘለዎ ስግኣት'ውን ኣስፊሩ'ሎ። "ኣብ ዝኾነ ህሞት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኲናት ክውላዕ ይኽእል'ዩ" ይብል እቲ ኣብ 'ኣፍሪቃ ሪፖርተር' ዝወጸን ኣቐዲሙ ኣብ ኢድ ቢቢሲ ዝበጽሐን ትንተና። "ድሕሪ'ቲ...