ኤርትራ ንሙላቱ ተሾመን 'ምትዂታዂ ኢትዮጵያን' ዝሃበቶ ተሪር ግብረመልሲ
ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኤርትራ ገሊጻ። ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከም ዘላን ክትግታእ ከምዝግባኣን'ዩ እቲ ኢትዮጵያዊ ብዓል ስልጣን ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝኸስስ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ "ናይ ሓሶት መጠንቀቕታ" ክብል ነጺግዎ'ሎ። "እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን...
Latest releases
ኤርትራዊት ስድራቤት ኣብ ላስቬጋስ ብዘጋጠመ ባርዕ ገዛ 4 ኣባላት ስኢና
ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ላስቬጋስ ብዘጋጠመ ባርዕ ገዛ ኣባላት ሓንቲ ኤርትራዊት ስድራቤት ዝዀኑ ክልተ ዓበይትን ክልተ ህጻናትን ዝርከብዎም ሰባት ሞይቶም። አዚ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ብ 24 ጥቅምቲ ወጋሕታ ሰዓት 4፡00 እቶም ኣባላት እታ ስድራ ኣብቲ በዓል ሰለስተ ደርቢ መንበሪ ቤቶም ደቂሶም አንከለዉ እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ እዋን ፍጻመ ብዘይካቶም ሰብ ሓዳር ስድራቤትን ደቆምን፡ ሓው እቲ በዓል ቤት እውን ከምዝነበረ ተፈሊጡ ኣሎ። ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ኣደን ህጻንን፡ካብ ሃልሃልታ ንምህዳም ካብ መስኮት ሳልሳይ...
ቃል ሓዘን ብምኽንያት ዕርፍቲ በዓልት ቤት ብጻይና ራማዳን ደራንካ
ክብርቲ ሓፍትና ወ/ሮ ሶፍያ ግራዝማሽ ሙሳ ዓብዱ ብቀዳም ዕለት 26/10/2024 ኣብ ከተማ ጅዳ ስዑዲ ዓረብያ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያትና። ነፍስሄር ወ/ሮ ሶፍያ በዓልቲ ቤት ብጻይና ራማዳን ዑመር ደራንካን ከምኡ’ውን ሓፍቱ ነቲ ዓቢ ተጋዳላይ ስዉእ ስራጅ ሙሳ ዓብዱ ኢያ።ብስም ኩሎም ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ብሞት ክብርቲ ሓፍትና...
መቐለን ኣስመራን ዝርከብአን ከተማታት ብኸመይ ኣብ ኢጣልያ ኣስማት ጐደና ኰይነን?
ካብቲ ፍሉጥ ማእከላይ መደበር ባቡር ሮማ ሒደት 'ፌርማታ' ጥራይ ርሒቑ ይርከብ። ዘመናት ዘቝጸሩ ቅርስታት ብቐረባ ከቢቦምዎ ይረኣዩ። እቲ ከባቢ ግን ምስ ጥንታዊነት ሮማ ክነጻጸር ከሎ ብተዛማዲ ሓድሽ እዩ ምባል ይከኣል። መብዛሕትኡ መንበሪ ህንጻታት'ኳ እንተዀነ ውሑዳት ንግዳዊ ቦታታት እውን ዝሓዘ እዩ። እዚ ቦታ 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' ይበሃል። ኣፍሪቃዊ 'ከባቢ' ከም ማለት እዩ ዝኸውን ዘሎ። ጐደናታት 'ኳርቴረ ኣፍሪቃኖ' ብስም ከተማታት እተን ኢጣልያ 'እግራ ዘንበረትለን' ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሰየመ...
ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ሂቡ
ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ኣብ ዞባ ኣል ጀዚራ፣ ኣቡ ዓቕላ ካኪል፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኢዱ ከምዝሃበ ተሓቢሩ።ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ኣዛዚ ነቲ ንሃገርን ቅንዕናን ብምምራጽ፣ ብሰላም ኢዱ ከምዝሃበ ብምርግጋጽ፣ ምስ ሰራዊት ሱዳን ተጸንቢሩ ኣንጻር ዓመጽ ክቓለስ ምውሳኑ ኣመልኪቱ። ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት፣ ብርክት ዝበለ ኣጽዋርን ኣባላት ፈጣን ሓይልትታትን ሒዙ ናብ ሰራዊት ሱዳን ኢዱ ከምዝሃበ ‘ዩ ተሓቢሩ። ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት...