ሕሜቲ ንኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ እንታይ እዩ?
መራሒ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ሕሜቲ፡ ሰራዊቱ ኣብ ከባቢ ዞባ ኮርዶፋን ዝተወሰነ ከባቢታት ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ብ2 ሰነ ብመገዲ ተሌግራም ሓፈሻዊ መግለጺ ሂቡ።ንሱ ኣብቲ ኣብ ህሉው ኵነታት ኲናት ሱዳን ማእከል ገይሩ ሓያለ ኣርእስታት ዝተናኸፈ መግለጺኡ ኤርትራን መራሒኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጠቒሱ። ሕሜቲ ኣብ መግለጺኡ፡ "ወላሂ ኵሎም እቶም ግብረሽበራውያን ሓይልታት፣ እስላማዊ መንግስቲ - ዳዕሽ -...
Latest releases
ብህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነብዑ ጳጳስ ኣቡነ ፍራንሲስ
እቶም ኣብዚ ሰሙን ዝዓረፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ካብቲ ብፍሉይ ዝዝከሩሉን ዝኽበሩሉን፡ ጸግዒ ግፉዓትን ውጹዓት ብምዃን ንሰብኣውነትን ክብሪ ደቂሰብን ዝነበሮም ዘይቅየር ክብሪታቶም እዩ። ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ሰባት ብዝፈጠርዎ ይዅን ባህሪያዊ ሓደጋታት ኣብ ሽግርን ሕሰምን ንዝወደቑ ማሕበረሰባት ደው ብምባል ንስለኦም ተማጕቶም፡ ንፍትሒ ጸዊዖምን ጸልዮምን እዮም። እቶም ወገን ሃይማኖት ዘይፈልዩ መንፈሳዊ ኣቦ፡ ኣብ ከም ኲናት ትግራይ፡ ቓዛ፡ ዩክረይንን ካልእ ቦታታትን ሰፊሕ ሞት፡ ምፍንቓልን ዝተፈላለየ...
ኬንያ፡ ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ ደሃዮም ጠፊኡ
ኣቶ ተስፋይ ሞባእ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ኣቦ፡ ብዓርቢ 18 ምያዝያ - [ዓርቢ ስቕለት] ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኬንያ ጠፊኦም ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ከምዘይተረኽበ ስድራቤቶም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣቶ ተስፋይ፡ ሰዓት 9:00 ንግሆ ኣቢሉ ኣብ ከባቢ ክሊማኒ ናብ ዝርከብ ቤተክርስትያን መድሃኔኣለም ከምዝኸዱን ኣብኡ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድሕሪ ቐትሪ ከምዝጸንሑን ተፈሊጡ። እቶም 80 ዝዕድመኦም ኣቦ ናይ ጥዕናን ዓይኒን ጸገማት ዝነበሮም ኰይኑ፡ ንግሆ ምስ በዓልቲ ቤቶም እዮም ናብቲ ቤተክርስትያን...
ሓድሽ ማዕበል ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ፡ ካልኣይ 'ቢንያም ግርማይ' ይፈጥርዶ ይኸውን?
ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ሚልክያስ ማእከለ፡ ኣብ ኮንቲነንታል ጋንታ ንመጀመርትኡ ደኣ ይጸንበር'ምበር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ዝተፈለላየ ውድድራትን ዓወታትን ተጐናጺፉ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር 'ግራንድ ፕሪክስ ላ ቢለ' ብዘደንቅ ቅጽበታዊ ውድድድር ምስ ተዓወተ፡ ኣብ ሽኳ ዘለዎ ብቕዓት ዝተዓዘቡ ብዙሓት ሰባት ምስቲ ኣብ 2024 ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ ከመሳስሉዎ ተራእዮም። ሚልክያስ ማእከለ ምስ ቢቢሲ...
ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸፈቶ ቤት ጽሕፈትን ዕላማታቱን
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብርጌድ ንሓመዱ ብዝብል ዝፍለጥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተ ክንገር ጸኒሑ እዩ። ብርጌድ ንሓመዱ ግን መን እዩ? ስሙን ድሕረ ባይትኡን? ራኢኡን ዕላማኡን እንታይ እዩ? ቢቢሲ፡ ነዚ ሕቶታት ንምምላስ ምስ ኣካየድቲ እቲ ምንቅስቓስን ገዳይም ተቓወምቲ ሓይልታትን ኣዘራሪቡ ዘሰናድኦ ጽሑፍ እነሆ። ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ዘረጋገጸት ኤርትራ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ስለ ዘይተኸለትን እቲ መንግስቲ ምስ ገበናት ኣንጻር...