ኤርትራ፡ 'ኣቦይ ብሰንኪ'ዚ ሓድሽ መምርሒ መገሻ ንቈጸራ ሕክምና ተኸልኪሉ'
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ክፍሊ ኢምግረይሽን ዝተኣታተወ ሓድሽ መምርሒታት መገሻ፡ 'ጸቕጥን መሰናኽልን ፈጢሩልና' ዝበሉ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብሩ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ምስ ወለዳ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ንኽትራኸብ ልዑል ትጽቢት ዝነበራ ሓንቲ ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ኤርትራዊት መንእሰይ፡ መንግስቲ ትሕቲ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ናብ ደገ ከይገሹ ስለ ዝኽልክል ምስ ወላዲኣ ክትራኸብ ዝነበራ ተስፋ ከም ዘይቀንዐ ሓቢራ። ቅድሚ...
Latest releases
ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ
ሐርበኛ የማነ ኣርኣያ ዓሪፍካዶ፣ ዓዲ ሰግዶ መርድእ በጺሑኩምዶ፣ ወየ ወየ ኣብ ስደት ዓሪፉ ንጋዶ፣ ቁምጣ ዓጢቑ ንነጻነት ኣንጊሁ ምስ ገስገሰ፣ ሐርበኛ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ ተደምሰሰ፣ ንዳግማ መግዛእቲ ስለ ዘይወጸ፣ዘይተመለሰ ዓገብ ዝበለት ልሳንካ ያኣኽለኒ ኢላዶ ሎምሰ፣ የማነ ዕምሪ ኣኺላ መጸዋዕታ መጺኡኒ፣...
‘ካብዚ ዓዲ ንኽንወጽእ ሓግዙና’ - ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሊባኖስ
ኣብ ሊባኖስ ብዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝርከቡን ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ሓገዝ ከምዘድልዮምን ይገልጹ ኣለዉ።ዜጋታት ሊባኖስ ካብቲ ከባቢ እናወጽኡ እቶም ምስኣታቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ግን ኣብቲ ከባቢ ክተርፉ ይግደዱ ከምዘለዉ እቶም ግዳያት ንቢቢሲ ገሊጾም። ሳይዳ ኣብ ዝበሃል ገጠር ክትነብር ዝጸንሐት ሄለን ዝተባህለት ኢትዮጵያዊት፡ “ [ካብን ናብን ] ከንቀሳቕሰና ዝኽእል ሕጋዊ ወረቐት ዘይብልና ብዙሓት ሰባት ስለዘለና፡ ካብዚ ዓዲ ወጺእና ናብ ሃገርና ንኽንኣቱ በጃኹም ድምጺ ኵኑና” ክትብል...
ኤርትራዊያን ነበርቲ እስራኤል ኣብ ህልው ኩነታት እንታይ ይብሉ?
ዋሽንግተን —ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ጎንፅን ውጥረትን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝተራእየ ምውንጫፍ ሚሳይላት ኢራን ናብ እስራኤልን ደብዳብ እስራኤል ኣብ ሊባኖስን ንኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብኸመይ ይጸልዎም ንዝብል ንኣባል ማሕበር ብሩህ ተስፋ ዝኾነ ብርሃነ ነጋሲ ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ምንያ...
ዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱሳ ድሕሪ ዓሰርተ ሓደ ዓመት
ህዝቢ ዓለም፡ ቅድሚ 11 ዓመት፡ ልክዕ ከምዛ ሎም መዓልቲ - ሓሙስ 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ 368 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደጋ ጃልባ ከምዝሞቱ ተረዲኡ።