ኤርትራ ግዳይ እገዳ መገሻ ትራምፕ ዝዀነትሉ ቀንዲ ምኽንያታት እንታይ'ዩ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ግብራዊ ዝኸውን ሓድሽ እገዳ መገሻ ኣንቢሩ ከም ዘሎ ዋይት ሃውስ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካብ ኣፍሪቃ፤ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢኳቶርያል ጊኒን ክህሉዋ እንከለዋ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ሀይቲን ኢራንን ድማ ተወሰኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘለዋ ሃገራት እየን። ብኸፊል እገዳ ዝተነብረለን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት'ውን ኣለዋ። ዶናልድ ትራምፕ ነዘን 12 ሃገራት ምሉእ እገዳ ዝገበረለን፡ ምስ ሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት ብምትእስሳር እዩ። ዋይትሃውስ ኣብ...
Latest releases
ኤርትራ፣ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም
መንግስቲ ኤርትራ ብዓርቢ 12 ሚያዝያ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝፈትሐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።
ሱዳን፣ ከም ምሩዃት ተታሒዞም ናይ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስድራቤት ሓገዝ ይሓቱ
ካብ ኢትዮጵያ፣ ብመንግዲ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 10ታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ብዕጡቓት ሱዳን ከም ምሩዃት ተታሒዞም ይሳቐዩን ይጋፍዑን ከምዘለዉ ስድራቤታቶም ናብ ራድዮ ኤረና ብምድዋል ኣመልኪቶም።
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብሓድሽ ሕጊ ስደት ኣውሮጳ ብኸመይ ይጽለዉ?
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት - ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ስእነት ሰብኣዊ ሓርነትን ግህሰት መሰላትን ካልእን ዝጠንቁ ብብዝሒ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክስደዱ ጸኒሖም እዮም።
ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝበኣሰ ኩነታት
ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝለዓለ መልክዑ ትቕጽሎ ከም ዘላ ናይ 2024 ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣስፊሩ።