ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
ድሕሪ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ኤርትራ ንተወሳኺ 30 ዓመታት ኣብ ውግእን ኵነተ-ኲናት ክትጽመድ ተራእያ እያ። ቍጠባኣ ተሃስዩን ብጕድለት ሰብኣዊ መሰላትን ዜጋታታት ብኣማኢት ኣሽሓት ናብ ስደት ውሒዞም። እቲ ናይ ኣሽሓት ህይወት ተጋደልትን ህዝብን ዝሓተተ ሓርነት ኤርትራ ናይ ወለዶታት ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ብልጽግናን ከውሕስ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኤርትራ ሒደት ዓመታት ድሕሪ ናጽነታ ምስ ኵለን ጐረባብታ ናብ ውግእ...
Latest releases
ፕረዚደንት ሶማልያ ናብ ኣስመራ ዘመላልሶ ዘሎ ጉዳይ እንታይ'ዩ?
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ወግዓዊ ዑደት ንምክያድ፡ ብቕድሚ ትማሊ ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምእታዉ፡ ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ መራሕቲ ናይ ክልተአን ሃገራት ኣብ ዘቤታውን ዞባውን ጉዳያት፡ "ዓሚቕ ዘተ" ከም ዘካየዱ፡ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ `x` ገሊጹ። እዚ ፕረዚደንት ሶማልያ ናብ ኣስመራ ዘቕንዓሉ ግዜ፡ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወጣጢርሉ ኣብ ዘሎ ብምዃኑ፡ ፍሉይ ኣቓልቦ ክስሕብ ቀሲቡ ኣሎ። ካብ 2018 ንደሓር፡ ሞቓድሾ ናብ ኣስመራ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ካብ...
ኤርትራ-ሽወደን፡ ኣርሀ ሓመድናካ ምሉእ ዕድመ ቃልሲ ንፍትሕን ናጽነትን
ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዛዕባ ዛንታ ዓወትን ኣብነታዊ ስራሕን ታሪኽ ህይወት ኣባል ባይቶ ሽወደን ነበርን ኣቦ ስድራን ከምኡ'ውን ተጋዳላይ ተሓኤ ነበር ኣርሀ ሓመድናካ እተዘንቱ መጽሓፍ ብቛንቋ ዓረብ ብዶ/ር ዑመር ዘርኣይ ተሓቲማ ኣብ ዕዳጋ ቀሪባ ከምዘላ ይፍለጥ። እታ ታሪኽ ዓወት ካብ ሰውራ ኣፍሪቃ ናብ ባይቶ ሽወደን እትብል መጽሓፍ፡ ንድሕረ ባይታ ኣርሀ፡ ልደቱን ኣተዓባብያኡን፡ ኣብ ንእስነቱ ዝሓደሮ ሃገራዊ ጽልዋን ተሳትፎኡ ኣብ ቃልሲን፡ ዓቕመ ኣዳም ቅድሚ ምብጽሑ፡ ብስርዓት ሃይለስላሰ ዝወረዶ ማእሰርትን ስቅያትን፡...
ጉጅለ ህግደፍን ህዋሐትን ብልጽግናን ሰብ ሐደ ዕላም ይብሎምን ባእሲ
ቶባእ ድሕሪ ደጊም፣ሽጣራ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፣ከም መምህሮም ልቦም ዘይርከብ፣ትማሊ ብዑሉማት ኣዛብእ ዝሕሎ ከምዘይ በልካዮ፣ሎሚ ፕረስደንት ሃገር ኤርትራ ሰሚኻዮ፣መንድዩ ኣይከሰርናን ሐደ ህዝቢ ኢና ዝበለ ትማሊ፣ንኢሰያስ ካብ ኣቢ እንታይ ይፈልዮ፣ኣይፋልካን ኢንጂነር ተስፋይ፣ናይ ወዲ ጣባ ኣብ ኣስመራ ወዘኽዘኽ ኣቕኒኡኳድዩ፣ካብ...
ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኤርትራ ዝስጎጕ ስደተኛታት ኣበይ ይኣትው?
ቅድሚ ክልተ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣዋርሕ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ብመንገዲ ቡሬ ናብ ሃገሮም ከም ዝጠረዞም ክግለጽ ጸኒሑ። ክፍሊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን "ኢትዮጵያ፡ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ሰጒጓ፡" ዝብል ወረ ቅኑዕ ከምዘይኰነን ብሓይሊ ዝመለሶም ኤርትራውያን ከም ዘየለዉን ኣፍሊጡ ነይሩ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግን፡ ናብ ኤርትራ ዝተሰጉ ስደተኛታት ከምዘለው ብምሕባር...