ናብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ሓደ እዋን ዝበጽሑ መራሕቲ ሱዳን
ኣቦመንበር ልኡላዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምርካብ ተዘራሪቡ። ሚኒስተር ወጻኢ ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ። ኣንጻር እቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ደማዊ ኲናት...
Latest releases
ንግብጽን ሱዳንን ዘቘጥዐ ሓድሽ 'ሕጊ' ፈለግ ኣባይ እንታይ እዩ? ኤርትራኸ ግደ ኣለዋ ዶ?
መስርሕ ምምዕባል መቓን ምትሕብባርን ኣጠቓቕማን ማይ ፈለግ ኣባይ ፡ ቅድሚ 27 ዓመት ኣብ 1997 ዓ.ም [ግ] እዩ ጀሚሩ። እቲ ኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ መስርሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት 3 ጥቅምቲ 2017 [ግ] ተዛዚሙ ኣብ ግብሪ ከውዕል ተኣዊጁ ኣሎ።ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ትግባረ ስምምዕ ምትሕብባር [CFA] ተፋሰስ ኣባይ ብዝምልከት ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ እቲ ሓድሽ ዞባዊ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ዝወዓለላ መዓልቲ "ታሪኻዊ ምዕራፍ" ኰይኑ ክዝከር ምዃኑ ገሊጹ።
ኤርትራ፡ ኣብ 100 ዓመተን 100 ውሉዳት ዝፈረያ ወላዲት ወይዘሮ ሓጉሽ ሃይለ
እዘን ኣብ 101 ዓመተን ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልያ፡ ናይ ዕድመን ውሉዳትን በዓልቲ ጸጋ ወላዲት፡ ወይዘሮ ሓጉሽ ሃይለ ይበሃላ። ኣደይ ሓጉሽ፡ ካብ እንዳ ከንቲባ ወልዳይ ዓዲ ሽም ምሕረት ድግሳ እየን። እዘን መልክዕን ቁመናን፣ ቁመትን ጉብዝናን፡ ልዕሊ ኵሉ ግን ሕልናን ልቦናን ዝተዓደላ ግርምቲ ኣደ፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ህይወት እታ ዓዲ ኣብ ሓዘንን ሓጐስን ኣብ በዓልን ጽምብልን ኵሉ ሳዕ ዕጥቕቲ እየን። ኣደይ ሓጉሽ ከም ኵለን ኣጋዕዝ ኣደታት፡ ንዝተጸለኦም ዝበጽሓ፡ ንዝተባእሱ ዝገንሓ፡ ንዝተጸገሙ ዝድግፋ ንዝዘኽተሙ ዝሓቝፋ ብለውሃተን ዝዝከራ ምቕልልቲ ኣደ እየን። ኣብ ቀብሪ ዓድን ጐደቦን ዘይበዅራ፡ ንሓዘንተኛታት ብተረካብን መሃርን ዕላለን ዘጸናንዓ፡ ኣብ መርዓን...
ቢንያም ግርማይ፡ ንዝዓበየ ዓለማዊ ሽልማት ቅድድም ብሽክለታ 'ቬሎ ዲ ኦር' ተሓጽዩ
ኣብ 2024 ኣዝዩ ድሙቕ ዓወታት ብምምዝጋብ ሓደስቲ ክብረ ወሰናት ዘመዝገበ ቢንያም ግርማይ ዓስራይ ርእሱ ንሽልማት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ እዚ ዓመት ተሓጽዩ።ቢንያም ነዚ ሽልማት ክሕጸ ዝኸኣል ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ’ዩ። እቲ ሽልማት ቬሎ ዲ ኦር ዝበሃል ኰይኑ ዓመታዊ ንዝበለጸ ብቕዓት ዘርኣዩ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝወሃብ ሽልማት’ዩ። ከምቲ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ማዕሪኡ ኣብ ብሽክለታ ዝወሃብ ሽልማት ከኣ እዚ ቢንያም ተሓጽዩሉ ዘሎ ሽልማት ቬሎ ዲ ኦር’ዩ።ምስ ቢንያም ንሽልማት ተሓጽዮም ዘለዉ፡ ኣብ 2023 ነዚ ሽልማት ዝተዓወተሉ ዴንማርካዊ ጆናስ ቪንገጋርድ፡ ኣብ 2022 ተዓዋቲ እዚ ሽልማት ዝነበረ ሬምኮ ኢቨነፖል፡...
ኣብ ኬንያ ድሙቕ ዓወታት ዝዓተረት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ኣስመራ ኣትያ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ዝቐነየት ሃገራት ጋንታ ኤርትራ ሎሚ ናብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ኣትያ። እታ ድሙቕ ዓወታት ሓፊሳ ዝተመለሰት ደቂኣንስትዮ ዝርከቡዋ ጋንታ ናብ ሃገራ ኣብ ዝተመልሰትሉ ደገፍቲ ቅድድም ብሽክለታ ናብ ጎደና ብምስላፍ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምላ።ኣብቲ ካብ 9 ክሳብ 13 ጥቅምቲ ኣብ ኬንያዊት ከተማ ኤልዶረትን ኢተንን ክካይድ ዝቐነየ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024፡ ኤርትራ ኣብቲ ጸወታ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩር 4 ነሓስ ብምርካብ ብድምር 16 መዳልያታት ብምዕታር ቀዳመይቲ ምውጽኣ ይዝከር።