ሞሳድ ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ 'ምስጢራዊ' ስርሒት
ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንወኪል ስለያ እታ ሃገር ሞሳድ ሓደ ሓሳብ የቕርብ። እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ኣይሁድ [ቤተ-እስራኤላውያን] ብሕቡእ ኣውጺእኻ ናብታ ሃገር ንምውሳድ ዝግበር ምስጢራዊ ተልእኾ እዩ ነይሩ። በቲ ስርሒት ድማ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ቤተ-እስራኤላውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ሰጊሮም ብድሕሪኡ ናብ እስራኤል ኣትዮም። እዚ ውጥን እዚ ካብ ዝትግበር 40 ዓመት ኮይኑ...
Latest releases
ኤርትራን ሳዋን፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ከምዚ እዋን
ቅድሚ 30 ዓመት፡ ልክዕ ከምዚ እዋን፡ ስታድዩም ኣስመራ፡ ገና ብንግሆኡ፡ ካብ ፈቐዶ ኵርናዓት እታ ከተማ፡ ሃገራዊ ጻውዒት ክምልሱ ብዝውሕዙ መንእሰያት አዕለቕሊቓ ኔራ። እቶም ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት፡ ገሊኦም ብመካይን፡ ገሊኦም ብሚኒባሳት፡ ዝበዝሑ ከኣ ብኣጋር፡ ሳናጡኦም ተሰኪሞም፡ ብስድራ ቤቶም፡ ኣዝማዶም፡ ኣዕሩኽቶምን መማህርቶምን ተዓጂቦም እናሰሓቑን እናተጫረቑን ኣብቲ ቀጽሪ ተኣኻኸቡ።
ብቓንዛ ዝተጐብአ ትጽቢት ስድራቤታት፡ ዛንታ'ታ ብዘይ ሰዳድ ወረ ዝተሸርበት ‘ሰራም’ ጃልባ 2014
ክረምቲ 2014 እዩ ነይሩ - ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት። ቀዝሒ ኣውሮጳ ክሓልፈሎም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ምሽብሻብ ነበሩ።
ኣስመራ ንዓወት ቢንያም ትጽንብል
ኣስመራ —ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ብዘርእዮ ዘሎ ዓወት፡ ኣብ ኤርትራ ብዓቢ ጽንብል ፈጢሩ ኣሎ። ድሕሪ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዓወት ቢንያም፡ ህዝቢ ብሓንሳብ ናብ ጎደናታት ብምውሓዝ ክጽንብል ቀንዩ ኣሎ።
ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ሎሚ'ውን ቀዳማይ ብምውጻእ ‘ሃትሪክ’ ሰሪሑ
ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ብዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ።ንሱ፡ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ 12 መድረኻት ኣብ ሰለስተ መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ንዕኡ ንጋንታኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ታሪኽ ኣግዚሙ።