ብዛዕባ ርክብ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን መን እንታይ ይብል?
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን...
Latest releases
20 ሰነ: መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር
20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።
ኣፍሪቃዊ መበቆል ዝውክሉ ባምቡላታት ብምስራሕ ናእዳ ዘትረፈት ኤርትራዊት-ሽወደናዊት ሳበል በራኺ
ሳበል በራኺ ካብታ ቅድሚ ዕሰራን ሓደን ዓመታት ናብ ሽወደን ዝተሰደት ኤርትራዊት ስድራቤት ዝፈረየት መንእሰይ እያ።
ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሓተትቲ ዑቕባ ተቐቢላ
ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራትራውያን ዝበዝሕዎም፣ ዜጋታት ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾኑ 113 ሓተትቲ ዑቕባ ከምዝተቐበለት ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ኣፍሊጡ።
መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይኽበር ድዩ?
መዓልቲ ኣቦታት ኣብ መንጎ ኣቦታትን ደቆምን ዘሎ ምትእስሳር ዝኽበረላ ፍልይቲ ዕለት እያ። ኣቦ ንደቁ ዘለዎ ፍቕሪ ብጽምብል ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዝግለጽ’ኳ እንተዘይኰነ፡ እዛ መዓልቲ ግን ፍቕርን ተወፋይነትን ኣቦታት ከምኡ’ውን ኣቦታት ኣብ ህይወትና ዝጻወትዎ መተካእታ ዘይብሉ ተራ እተዘኻኽረና እያ። ብተወሳኺ ኣባሓጎታት፡ ኣያታት፡ ኣኮታትን ካልኦት ናብዮት ዝህቡ ደቂ ተባዕትዮን'ውን ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ይምስገኑ...