ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብሰኔት ኣመሪካ ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሽማግለ ዝምድናታት ወጻኢ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ርክብ፡ ኤርትራ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ከባቢታት ምትእኽኻብ ሰራዊት ተካይድ ከም ዘላ ንዝቐረበሉ ክሲ ብትሪ ነጺጉ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ዝቐረበ ክሲ፡ "ፍጹም መሰረት ኣልቦን ዘደናግርን፡" ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ፡ "ኵሎም ኣባላት ሰራዊት [ኤርትራ] ምሉእ ብምሉእ...
Latest releases
20 ሰነ: መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር
20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።
ኣፍሪቃዊ መበቆል ዝውክሉ ባምቡላታት ብምስራሕ ናእዳ ዘትረፈት ኤርትራዊት-ሽወደናዊት ሳበል በራኺ
ሳበል በራኺ ካብታ ቅድሚ ዕሰራን ሓደን ዓመታት ናብ ሽወደን ዝተሰደት ኤርትራዊት ስድራቤት ዝፈረየት መንእሰይ እያ።
ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሓተትቲ ዑቕባ ተቐቢላ
ርዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ኤርትራትራውያን ዝበዝሕዎም፣ ዜጋታት ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾኑ 113 ሓተትቲ ዑቕባ ከምዝተቐበለት ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ኣፍሊጡ።
መዓልቲ ኣቦታት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይኽበር ድዩ?
መዓልቲ ኣቦታት ኣብ መንጎ ኣቦታትን ደቆምን ዘሎ ምትእስሳር ዝኽበረላ ፍልይቲ ዕለት እያ። ኣቦ ንደቁ ዘለዎ ፍቕሪ ብጽምብል ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዝግለጽ’ኳ እንተዘይኰነ፡ እዛ መዓልቲ ግን ፍቕርን ተወፋይነትን ኣቦታት ከምኡ’ውን ኣቦታት ኣብ ህይወትና ዝጻወትዎ መተካእታ ዘይብሉ ተራ እተዘኻኽረና እያ። ብተወሳኺ ኣባሓጎታት፡ ኣያታት፡ ኣኮታትን ካልኦት ናብዮት ዝህቡ ደቂ ተባዕትዮን'ውን ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ይምስገኑ...