Abiy is calculating war with Eritrea, Can he be stopped?
Why is Abiy Ahmed Mongering a new war with Eritrea? The answer to the question is simple: it is the only card he has to stay in power. Right now, Abiy is without a solid base to maintain his...
Latest releases
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ገጽ?
ዋሽንግተን -ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ30 ሕዳር 2024 ምስ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣብ ዓለምለኸ፡ ዞባዊን ዘቤታዊን ጉዳያት ዝምልከት ቃለ-መጠየቕ ገይሩ ነይሩ። ኣብዚ ን2 ሰዓትን 40 ደቓይቕን ዝኸደ ቃለ-ምልልስ፡ እተን ቀዳሞት ክልተ ሰዓታት ኣብ ዓለምለኸ ጉዳያት ብቐንዱ ግን ኣብ ኣመሪካ፡ ቻይና ከምኡ’ውን ከባቢያዊ ኩነታት ካብኡ ዝበዝሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ መብርሂ ሂቡ። ነዚ ስዒቡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ዘለዎ ምዃኑ ዝሕበር መደበር ቴለቪዥን ፋና፡ ንቃለ-መጠየቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብትሪ ዝነቅፍን ቁዋም ዘይብላ ሃገር እናመርሐ ንገዛእ ጉዳያቱ...
ኤርትራ፡ መበል 6ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተመሪጾም
ኣቡነ ባስልዮስ መበል 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዃን ተመሪጾም። ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ምርጫ ሲኖዶስ'ዮም ዝለዓለ ድምጺ ብምርካብ ነቲ ጥርሑ ዝጸንሐ መንበረ ፓትሪያርክ ክርከቡ ተሓርዮም ዘለዉ። ኣብቲ ምርጫ 85 ኣባላት ሲኖዶስ ከምዝተረኽቡ እታ ቤተክርስትያን ዘውጽኣቶ ወግዓዊ መግለጺ ይጠቅስ። ሰለስተ ጳጳሳት ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም ነይሮም። ...
ኤርትራ፡ መስርሕ ምርጫ ፓትርያሪክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንምዕዛብ ጳጳስ ኤለክሳንድርያ ኣስመራ ኣቲዮም
ሻዱሻይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሎሚ ከምዝምረጹ ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ ኦርተሮዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክረስትያን ኤርትራ ሓቢራ።ነዚ መስርሕ ምርጫ ንምዕዛብ ብጳጳስ ኤለክሳንድርያ ፓትሪያሪክ መንበረ ማርቆስ ጳጳስ ቴዎድሮስ ካልኣይ ዝተወከሉ ልኡኻን ቅዱስ ሲነዶስ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ግብጺ'ውን ትማሊ ናብ ኣስመራ ኣቲዮም። እቶም ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ሜትሮፖሊታን ብጹዕ ኣቡነ ዳንኤል ዝተመርሑ ብጹዕ አቡነ ኣንጀሎስ፡ ብጹዕ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ብጹዕ ኣቡነ ቢጎልን ዲያቆን ዮሴፍን ኣብ ኣህጉራዊ...
ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጐሰዮም ቀንዲ ሕቶታት ህዝቢ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሃንደበታዊ ክብሃል ዝክኣል ቃለመሕትት ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣካይዱ ነይሩ። ዋላ'ኳ ኣብቶም ቀዳምነታት ህዝቢ ዘይኮኑ ዓበይቲ ጉዳያት ወጻኢ ብምትኳር ሰፊሕ ሓተታታት ብምሃብ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ ኣብዛ ቀንዲ ትካላት መንግስቲን ደሞክራስን ዝፈረሱላ ሃገር ቃላት ናይቲ መራሒ 'ሕሉብን-ንጹፍን' ዝኾነሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ። ዓበይቲ ፖሊሲታት ዘጽድቕን ተሓታትነት ናይቲ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካል ዝከታተልን ሃገራዊ ባይቶ ምፍራሱ ኣብታ ሃገር ዓቢ ፖለቲካዊ ሃጓፍ ፈጢሩ...