ኤርትራ ግዳይ እገዳ መገሻ ትራምፕ ዝዀነትሉ ቀንዲ ምኽንያታት እንታይ'ዩ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ግብራዊ ዝኸውን ሓድሽ እገዳ መገሻ ኣንቢሩ ከም ዘሎ ዋይት ሃውስ ዝገለጸ ኰይኑ፡ ካብ ኣፍሪቃ፤ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሊብያ፡ ጫድ፡ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢኳቶርያል ጊኒን ክህሉዋ እንከለዋ፡ የመን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሚያንማር፡ ሀይቲን ኢራንን ድማ ተወሰኽቲ ኣብቲ ዝርዝር ዘለዋ ሃገራት እየን። ብኸፊል እገዳ ዝተነብረለን ካልኦት ሸውዓተ ሃገራት'ውን ኣለዋ። ዶናልድ ትራምፕ ነዘን 12 ሃገራት ምሉእ እገዳ ዝገበረለን፡ ምስ ሓደጋታት ሃገራዊ ድሕነት ብምትእስሳር እዩ። ዋይትሃውስ ኣብ...
Latest releases
ስዊዘርላንድ: ኤርትራውያን ኣንጻር ‘ዓሌታዊ’ ውሳነ ባይቶ እታ ሃገር ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም
ሃገራዊ ባይቶ ስዊዘርላንድ ናይ ዑቕባ ሕተኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክልእኽ ንዘሕለፎ ውሳኔ ዝቓውም ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
ዝኽሪ መበል ሳላሳን ሰለስተን ዓመት ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ
ኤርትራ ሃገርና ልዑላውትን ናጻን ሃገር ካብ እትኸውን፡ እንሆ ሳላሳን ኣርባዕተን ሕስመ ዓመታት ኣቊጽራ ኣላ። ብክቡር ኩሉ ዓይነት መሪር መስዋእቲ፣ ሕሱም ስቃይ ስደት፣ ዛራ ንብዓት ጠዋሪ ዝሰኣኑ ወለድን ኣባዲ ዝተሓረሙ ዝኽታማት ህጻናትን ዝተገዝመት ኤርትራ፡ ህዝባ ብድሕሪ ናጽነት ዝዓጸዶ ኩሉ ዓይነት ሓሳረ መከራ ጸብጽብካ ነይውዳእ።
ታሪኽ 17 ሰነ 1876፡ ቅንጸላ ሚስዮናውያን ኣብ ዓዲ ቖንጺ
እቲ ዘበን፡ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ኣብ ሓይል ውድድር ዝተጸምድሉ፡ ሃጸይ ቴድሮስን ዮውሃንስን ንመረብ-ምላሽ ንምግዛእ ዝቆራቖሱሉ፡ ግብጻውያን ገዛእቲ ነቲ ጉዳይ ክምዝምዙ፡ ዉግእ ወኪ-ዱባ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሓሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ዓወት ወ/ገብርኤል ኣብ ፋሽን ክዳውንቲ ኣመሪካ ስሙ ሕላገት ዝገድፍ ዘሎ መንእሰይ
ዋሽንግተን —ኣብ ኣዲስ ኣባበ ተወሊዱ ብንእሽቶኡ ናብ ኣመሪካ ዝመጽአ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ዓወት ወልደገብሪኤል፡ ኣብ ዓውዲ ፋሽን ኒውዮርክ ስሙ ዘድምቕ ዘሎ መንእሰይ’ዩ።