'ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኲናት ክትወልዕ ትሓስብ ኣላ' - ፕረዚደንት ነበር ሙላቱ ተሾመ
ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከምዘላ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ከሲሱ። "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዚኡ ሕጂ'ዩ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ብስሙ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ኣስመራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሩ ኢዳ ተእቱ ከምዘላ ገሊጹ። "ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግጭት ንምውላዕ ይሰርሕ ኣሎ" ይብል ተሾመ ሙላቱ። ኣብ መንጐ...
Latest releases
ኣዋጅ ምእላይ ካብ ስልጣን
ንነዊሕ እዋን፣ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ኣቦወንበር ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒን ገለ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈቱን፣ ኩሉ ሰብ ብዓቢ ስክፍታ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ፍሉጥ ኢዩ። ምኽንያት ናይዚ ስክፍታ ሰልፊ ሕዳሰ፣ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፣ ንጹር ዕላማን መትከላትን ዘለዎን፣ ኣብ ሃገራዊ ራእይ ዝተመስረተ ብምንባሩ፣ ኣቀረርባ መራሕቱን ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓትን ሃገራዊ መርገጽ ዘራጉድ ተራኦምን ንፍትሓዊ ጉዳያት ህዝቢ ኤርትራ ዘዕዝዝን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ስርዓት ንምውዳቕን፡ ደሞክራስያዊ...
ኤርትራን ሳዋን፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ከምዚ እዋን
ቅድሚ 30 ዓመት፡ ልክዕ ከምዚ እዋን፡ ስታድዩም ኣስመራ፡ ገና ብንግሆኡ፡ ካብ ፈቐዶ ኵርናዓት እታ ከተማ፡ ሃገራዊ ጻውዒት ክምልሱ ብዝውሕዙ መንእሰያት አዕለቕሊቓ ኔራ። እቶም ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት፡ ገሊኦም ብመካይን፡ ገሊኦም ብሚኒባሳት፡ ዝበዝሑ ከኣ ብኣጋር፡ ሳናጡኦም ተሰኪሞም፡ ብስድራ ቤቶም፡ ኣዝማዶም፡ ኣዕሩኽቶምን መማህርቶምን ተዓጂቦም እናሰሓቑን እናተጫረቑን ኣብቲ ቀጽሪ ተኣኻኸቡ።
ብቓንዛ ዝተጐብአ ትጽቢት ስድራቤታት፡ ዛንታ'ታ ብዘይ ሰዳድ ወረ ዝተሸርበት ‘ሰራም’ ጃልባ 2014
ክረምቲ 2014 እዩ ነይሩ - ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት። ቀዝሒ ኣውሮጳ ክሓልፈሎም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ደቡብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ምሽብሻብ ነበሩ።
ኣስመራ ንዓወት ቢንያም ትጽንብል
ኣስመራ —ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ብዘርእዮ ዘሎ ዓወት፡ ኣብ ኤርትራ ብዓቢ ጽንብል ፈጢሩ ኣሎ። ድሕሪ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዓወት ቢንያም፡ ህዝቢ ብሓንሳብ ናብ ጎደናታት ብምውሓዝ ክጽንብል ቀንዩ ኣሎ።