ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝነገሱሉ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ
ኣብዚ ካብ 9 ክሳብ 13 ጥቅምቲ ኣብ ኬንያ ከተማ ኤልዶረትን ኢተንን ክካይድ ዝቐነየ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024፡ ኤርትራ ኣብቲ ጸወታ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩር 4 ነሓስ ብምርካብ ብድምር 16 መዳልያታት ብምውህላል ብብዝሒ መዳልያታት ቀዳመይቲ ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚማቶ።ደቡብ ኣፍሪቃ ንኤርትራ ተኸቲላ 3 ወርቂ 4 ብሩር፡ 1 ነሓስን ብድምር 8 መዳልያ ኣዋህሊላ፡ ኡጋንዳ ኸኣ 2 ወርቂ፡ 2 ብሩር 1 ነሓስ ብድመር 5 መዳልያ። ኢትዮጵያ ኸኣ 3...
Latest releases
ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ
ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ብሰንበት 21 ሚያዝያ ኣብ ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ከተማ ቪን ቀዳመይቲ ኮይና ብምውጻእ ረዚን ዓወት ኣመዝጊባ።
ኤርትራ፡ ኣቦ መንበር ተሓኤ ነበር ኣሕመድ ናስር መን’ዩ?
ኣሕመድ ናስር ሓደ ካብቶም ንጐበጣ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ ኤርትራውያን መንእሰያት 60’ታት እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል ኣፍሪሱ፡ ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዱ፡ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ኣልሚሱ፡ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ምዃና ኣዊጁ።
ስድራ ናይቶም ኣብ ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተተሓዙ ኤርትራውያን እንታይ ይብሉ?
ልዕሊ 50 ዝዀኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።እቲ ሓበሬታ ክፍለጥ ዝኸኣለ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።
ኤርትራ፣ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም
መንግስቲ ኤርትራ ብዓርቢ 12 ሚያዝያ 46 ተወለድቲ ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝፈትሐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።