ኣስመራ፡ ግብረመልሲ ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን "ኣብ ዝኾነ ህሞት ኲናት ክውላዕ" ከምዝኽእል ዝምጉት መግለጺ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ መርኣያ ናይቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝጋዋሕ ዘሎ ድሌት ኲናት'ዩ ክትብል ኤርትራ ግብረመልሲ ሂባ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ እቲ ጀነራል "ኣካል ናይቲ ብሓይሊ ንኤርትራዊት ወደብ ዓሰብ ንምጉባጥ" ዝህቅን ኣጀንዳ እዩ ክብል ነቒፉ። ኣባል ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን...
Latest releases
ኤርትራ፡ ኣብ 100 ዓመተን 100 ውሉዳት ዝፈረያ ወላዲት ወይዘሮ ሓጉሽ ሃይለ
እዘን ኣብ 101 ዓመተን ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልያ፡ ናይ ዕድመን ውሉዳትን በዓልቲ ጸጋ ወላዲት፡ ወይዘሮ ሓጉሽ ሃይለ ይበሃላ። ኣደይ ሓጉሽ፡ ካብ እንዳ ከንቲባ ወልዳይ ዓዲ ሽም ምሕረት ድግሳ እየን። እዘን መልክዕን ቁመናን፣ ቁመትን ጉብዝናን፡ ልዕሊ ኵሉ ግን ሕልናን ልቦናን ዝተዓደላ ግርምቲ ኣደ፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ህይወት እታ ዓዲ ኣብ ሓዘንን ሓጐስን ኣብ በዓልን ጽምብልን ኵሉ ሳዕ ዕጥቕቲ እየን። ኣደይ ሓጉሽ ከም ኵለን ኣጋዕዝ ኣደታት፡ ንዝተጸለኦም ዝበጽሓ፡ ንዝተባእሱ ዝገንሓ፡ ንዝተጸገሙ ዝድግፋ ንዝዘኽተሙ ዝሓቝፋ ብለውሃተን ዝዝከራ ምቕልልቲ ኣደ እየን። ኣብ ቀብሪ ዓድን ጐደቦን ዘይበዅራ፡ ንሓዘንተኛታት ብተረካብን መሃርን ዕላለን ዘጸናንዓ፡ ኣብ መርዓን...
ቢንያም ግርማይ፡ ንዝዓበየ ዓለማዊ ሽልማት ቅድድም ብሽክለታ 'ቬሎ ዲ ኦር' ተሓጽዩ
ኣብ 2024 ኣዝዩ ድሙቕ ዓወታት ብምምዝጋብ ሓደስቲ ክብረ ወሰናት ዘመዝገበ ቢንያም ግርማይ ዓስራይ ርእሱ ንሽልማት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ እዚ ዓመት ተሓጽዩ።ቢንያም ነዚ ሽልማት ክሕጸ ዝኸኣል ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ’ዩ። እቲ ሽልማት ቬሎ ዲ ኦር ዝበሃል ኰይኑ ዓመታዊ ንዝበለጸ ብቕዓት ዘርኣዩ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝወሃብ ሽልማት’ዩ። ከምቲ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ማዕሪኡ ኣብ ብሽክለታ ዝወሃብ ሽልማት ከኣ እዚ ቢንያም ተሓጽዩሉ ዘሎ ሽልማት ቬሎ ዲ ኦር’ዩ።ምስ ቢንያም ንሽልማት ተሓጽዮም ዘለዉ፡ ኣብ 2023 ነዚ ሽልማት ዝተዓወተሉ ዴንማርካዊ ጆናስ ቪንገጋርድ፡ ኣብ 2022 ተዓዋቲ እዚ ሽልማት ዝነበረ ሬምኮ ኢቨነፖል፡...
ኣብ ኬንያ ድሙቕ ዓወታት ዝዓተረት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ኣስመራ ኣትያ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ዝቐነየት ሃገራት ጋንታ ኤርትራ ሎሚ ናብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ኣትያ። እታ ድሙቕ ዓወታት ሓፊሳ ዝተመለሰት ደቂኣንስትዮ ዝርከቡዋ ጋንታ ናብ ሃገራ ኣብ ዝተመልሰትሉ ደገፍቲ ቅድድም ብሽክለታ ናብ ጎደና ብምስላፍ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምላ።ኣብቲ ካብ 9 ክሳብ 13 ጥቅምቲ ኣብ ኬንያዊት ከተማ ኤልዶረትን ኢተንን ክካይድ ዝቐነየ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024፡ ኤርትራ ኣብቲ ጸወታ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩር 4 ነሓስ ብምርካብ ብድምር 16 መዳልያታት ብምዕታር ቀዳመይቲ ምውጽኣ ይዝከር።
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝነገሱሉ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ
ኣብዚ ካብ 9 ክሳብ 13 ጥቅምቲ ኣብ ኬንያ ከተማ ኤልዶረትን ኢተንን ክካይድ ዝቐነየ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024፡ ኤርትራ ኣብቲ ጸወታ 7 ወርቂ፡ 5 ብሩር 4 ነሓስ ብምርካብ ብድምር 16 መዳልያታት ብምውህላል ብብዝሒ መዳልያታት ቀዳመይቲ ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚማቶ።ደቡብ ኣፍሪቃ ንኤርትራ ተኸቲላ 3 ወርቂ 4 ብሩር፡ 1 ነሓስን ብድምር 8 መዳልያ ኣዋህሊላ፡ ኡጋንዳ ኸኣ 2 ወርቂ፡ 2 ብሩር 1 ነሓስ ብድመር 5 መዳልያ። ኢትዮጵያ ኸኣ 3 ነሓስ...