ኣስመራ፡ ግብረመልሲ ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን "ኣብ ዝኾነ ህሞት ኲናት ክውላዕ" ከምዝኽእል ዝምጉት መግለጺ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ መርኣያ ናይቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝጋዋሕ ዘሎ ድሌት ኲናት'ዩ ክትብል ኤርትራ ግብረመልሲ ሂባ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ እቲ ጀነራል "ኣካል ናይቲ ብሓይሊ ንኤርትራዊት ወደብ ዓሰብ ንምጉባጥ" ዝህቅን ኣጀንዳ እዩ ክብል ነቒፉ። ኣባል ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን...
Latest releases
ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ብፖሊስ ይድለዩ ኣለዉ
ፖሊስ ሃገረ ኔዘርላንድ፡ ኣሳእል ናይቶም ብ17 ለካቲት ኣብ ከተማ ደንሃኽ [ሄግ] ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ‘ኤርትራውያን ጕጅለታት’ ተሳቲፎም ኢሉ ዝጠርጠሮም ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ፡ ኣብ ቀይዲ ንምውዓሎም ምትሕብባር ክግበር ጸዊዑ።
ቢንያም ግርማይ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተኣልዩ
ትማሊ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሳልሳይ ዝወጽአ ተቐዳዳማይ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ክልተ ግዜ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጸወታ ተኣልዩ ከምዘሎ ጋንትኡ ኣፍሊጣ።
ስደት ኤርትራውያን፡ ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ብኸመይ?
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብእግሪን ብዝተፈላልየ ኣገባባትን ዝግበሩ ሓደገኛ ጕዕዞታት ስግረዶብ ኤርትራውያን ተራእዮም እዮም።
ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር
ዋሽንግተን/ኣስመራ —ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።