ኤርትራ፡ 103 ዝዕድመኦም ኣቦ ኣብ መካ ሓጅ ፈጺሞም
እቶም ኤርትራዊ ኣቦ፡ ሓደ ካብቶም 1.6 ሚልዮን ሓጃጆ ብምዃን፡ ኣብቲ ኣብ ሚና ዝተባህለ ቦታ፡ ብመሰረት ሃይማኖት እስልምና ንሰይጣን ብእምኒ ምድብዳብ ዝፍጸም ስነስርዓት ከምዝተሳተፉን፡ እዚ ድማ ዕድመ ንእምነት ከምዘይግድብ መርኣያ ምዃኑ ይግለጽ። ጕዕዞ ህይወት ሓጅ ሓምድ፡ ብብድሆታትን ተወፋይነት ንእምነትን ዝደመቐ ኰይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝገበርዎ ቅዱስ ንግደት ድማ፡ መርኣያ ናይቲ ዘይናወጽ መብጽዓ ንምፍጻም ሓደ ካብ ዓንዲታት እስልምና ምዃኑ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ...
Latest releases
ቨርነር ሙንዚንገር፡ ኣብ ኤርትራ ዓቢ ጽልዋ ዝገደፈ ገድለኛ
ቀዳሞት መንእሰያት ሚስዮናውያን ካብ ሽወደን ኣብ ኤርትራ ብባጽዕ ኣቢሎም ምስ ኣተዉ፡ ቨርነር ሙንዚንገር ከም ዝተቐበሎም ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ንዝበዝሐ ብርኪ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ንምዕዳግ ዝነበሮ ውጥን ሰሪዙ
ካብ ሓምለ 2023 ኣትሒዙ፣ ኣገልግሎታት ደው ኣቢሉ ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ዳግም ንምብርባር መሻርኽቲ የናዲ ከምዘሎ ምስቲ ኩባንያ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም።
ኤርትራ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ምጅማሩ ለውጢ ይህልዎ ዶ?
ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብ5 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ካብ ሰሉስ 14 ግንቦት 2024 ኣትሒዙ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ናዕቢ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደ ተገምጊሙ
ብ17 ለካቲት 2024 ኣብ ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ኣብ መንጐ ተቓወምትን ደገፍትን መንግስቲ ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ዝወረደ ዕንወት ልዕሊ 700 ሽሕ ዩሮ ከም ዝበጽሕ ተገሊጹ።