ደበሳይ ደሳለ ዕዉት ማራቶን ኣስመራ 2025 ኮይኑ
ሎሚ ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ 2025፡ ኣባል ክለብ ደንደን ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘውዲ ደፊኡ። ኣብ 2023 ብዘገርምን ካብ ትጽቢት ወጻእን 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይዚ ውድድር ሪከርድ ሒዙ ዘሎ ኣትሌት ኖሆም ኤርምያስ ከኣ ካልኣይ ብምውጻእ ንደገፍቱ ኣረስሩሱ። ሳልሳይ ኬንያዊ ኣትሌት ደሲስ ኩሱምባ ክወጽእ እንከሎ፡ ንነዊሕ ኪሎሜተራት በይኑ ኣብ ቅድሚት መሪሑ ምውዓል ኣብ መወዳእታ ዙርያ ብናሆም ኤርምያስን ብደበሳይ ደሳለን ዝትወሓጠ ሙሴ እስቲፋኖስ...
Latest releases
እናሓየለ ዝኸይድ ዘሎ ዳርባ ቃላት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን
ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክስታትን ነቐፌታታትን ዝሓዘለ እንካን ሃባን ክስማዕ ጸኒሑ'ሎ።ነቲ ብፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተሰምዐ መግለጺ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባትሉ ነይራ። ዓይሻ መሓመድ ብቐዳም 31 ግንቦት 2025 ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ "ሃገር ኢልካ ንኽትጽውዐን ዘጸግማ ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክንድ'ዚ ክዛረባ ምፍታነን ዝተለምደ ባህሪ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡" ክትብል ናብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ዝመስል ምላሽ ሂባ።...
ፖላንድ፡ ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓዊሳ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ጐስጓስ ጀሚራ
ፖላንድ ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን ብምትኳር ጐስጓስ ከም ዝጀመረት ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይታ ሃገር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ኣፍሊጡ። እቶም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት፡ ንኣሰጋገርቲ ሰባትን ዶብ ቤላሩስ-ፖላንድን ኣሚኖም ክመጽኡ ከም ዘይብሎም ድማ ኣጠንቒቑ። ነዚ ተበግሶ ንመጀመርታ ግዜኡ ኣብ ምያዝያ እኳ እንተ ኣወጀቶ፡ ብመንገዲ ቤላሩስ ኣቢሎም ናብ ፖላንድ ዝኣትዉ ዝደተኛታት ብብዝሒ ናይ ኣየኖት ሃገራት ምዃኖም ብዝርዝር ትገልጽ ዘላ ግን ኣብዚ ግዜ'ዚ...
ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝሃበቶ ግብረመልሲ
ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓይሻ መሓመድ ብቐዳም 31 ግንቦት 2025 ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ቍመናን ሃለዋትን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "ሃገር ኢልካ ንኽትጽውዐን ዘጸግማ፡" ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክንድ'ዚ ክዛረባ ምፍታነን ዝተለምደ ባህሪ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡" ክትብል ናብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ዝመስል ምላሽ ሂባ። ነተን "ሃገር ኢልካ ክትጽውዐን ዘጸግማ" ዝበለተን፡ ግን ሽመን ዘይረቝሐተን ሃገራት "ህዝበን ብፍርሒ ተሸቝሪሩ ዝነበረለን፡ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ...
ኤርሚና ደል'ኦሮ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ጸሓፊት
እዛ ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኢጣልያዊት፡ ብዛዕባ ምስ ዘመን ጣልያን ዝተኣሳሰሩ ብርክት ዝበሉ ዛንታታት ዘበርከተት ህብብቲ ደራሲት'ያ። ኣባሓጎኣ ንኤርሚና ደል-ኦሮ ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ናብ ኤርትራ ዝፈለሱ ኢጣልያውያን'ዩ ነይሩ። ንሱ ካብ ሌኮ እትበሃል ኣብ ሎምባርዲያ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ - ካብ ሚላኖ ንሰሜን 50 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ - ብ1886 ናብ ኤርትራ ግዒዙ። እዛ ሕጂ ዕድመ ደፊኣ ኣብ ሚላኖ እትነብር ዘላ ኤርሚና ደል-ኦሮ ነቶም ቀዳሞት 20 ዓመታት ህይወታ ኣብ ኣስመራ'ያ...