ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ይሓቱ
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ቆልዑን ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ሓቲቶም። እቶም ካብ ሊቢያ ክሰግሩ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ዘጋጠሞም 32 ውጻእ-መዓት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝርከብ መደበር ጋዝ'ዮም ተዓቚቦም ዘለዉ። "ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ሰማዕቲ ትግርኛ ኣሕዋትና፡ ኣብዚ ንሕና ብጥምየትን መከራን ቁርን ንመውት ኣለና" ክብሉ ብቪድዮ ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ተማሕጺኖም።...
Latest releases
ኤርትራ፣ ኣስታት 300 ወትሃደራት ናብ ሶማል ልኢኻ
ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝርከብኦም ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ሶማል ከምዝኣተዋ ወትሃደራውያን ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም። እቶም ልዕሊ 300 ዝግመቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ወደብ ዓሰብ ብመርከብ ተበጊሶም፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ናብ ሶማል ከምዝኣተዉ‘ዩ እቲ ምንጪ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ወርትሃደራት...
ኤርትራዊት ስደተኛ ብዝፈጸመቶ ገበን ተፈሪዳ
ፍዮሪ ከሰተ ዝተባህለት ጓል 25 ዓመት ኤርትራዊት፡ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ንሓንቲ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ድሕነተ ብኻራ ብምውጋኣ ማእሰርቲ ተፈሪዳ።ውሳነ ዝሃበ ዳኛ “ሕሱምን ዘስካሕክሕን” ክብል ነቲ ኵነታት ብምግላጽ “ንዓዳ ክትባረር ኣለዋ” እውን ኢሉ።ፍዮሪ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ቤት ፍርዲ ዱንጋኖን ኣብ ዝቐረበትሉ እዋን ኣብ ልዕሊ እታ ግዳይ ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት ከም ዘውረደት ተኣሚና እያ።
ንግብጽን ሱዳንን ዘቘጥዐ ሓድሽ 'ሕጊ' ፈለግ ኣባይ እንታይ እዩ? ኤርትራኸ ግደ ኣለዋ ዶ?
መስርሕ ምምዕባል መቓን ምትሕብባርን ኣጠቓቕማን ማይ ፈለግ ኣባይ ፡ ቅድሚ 27 ዓመት ኣብ 1997 ዓ.ም [ግ] እዩ ጀሚሩ። እቲ ኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ መስርሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰንበት 3 ጥቅምቲ 2017 [ግ] ተዛዚሙ ኣብ ግብሪ ከውዕል ተኣዊጁ ኣሎ።ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ትግባረ ስምምዕ ምትሕብባር [CFA] ተፋሰስ ኣባይ ብዝምልከት ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ እቲ ሓድሽ ዞባዊ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ዝወዓለላ መዓልቲ "ታሪኻዊ ምዕራፍ" ኰይኑ ክዝከር ምዃኑ ገሊጹ።
ኤርትራ፡ ኣብ 100 ዓመተን 100 ውሉዳት ዝፈረያ ወላዲት ወይዘሮ ሓጉሽ ሃይለ
እዘን ኣብ 101 ዓመተን ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልያ፡ ናይ ዕድመን ውሉዳትን በዓልቲ ጸጋ ወላዲት፡ ወይዘሮ ሓጉሽ ሃይለ ይበሃላ። ኣደይ ሓጉሽ፡ ካብ እንዳ ከንቲባ ወልዳይ ዓዲ ሽም ምሕረት ድግሳ እየን። እዘን መልክዕን ቁመናን፣ ቁመትን ጉብዝናን፡ ልዕሊ ኵሉ ግን ሕልናን ልቦናን ዝተዓደላ ግርምቲ ኣደ፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ህይወት እታ ዓዲ ኣብ ሓዘንን ሓጐስን ኣብ በዓልን ጽምብልን ኵሉ ሳዕ ዕጥቕቲ እየን። ኣደይ ሓጉሽ ከም ኵለን ኣጋዕዝ ኣደታት፡ ንዝተጸለኦም ዝበጽሓ፡ ንዝተባእሱ ዝገንሓ፡ ንዝተጸገሙ ዝድግፋ ንዝዘኽተሙ ዝሓቝፋ ብለውሃተን ዝዝከራ ምቕልልቲ ኣደ እየን። ኣብ ቀብሪ ዓድን ጐደቦን ዘይበዅራ፡ ንሓዘንተኛታት ብተረካብን መሃርን ዕላለን ዘጸናንዓ፡ ኣብ መርዓን...